Thursday , June 1 2023

ቁ.2. ውጥን ከተማን ሲቪካዊ ንቕሓትን

ኣብ ዝተፈላለየ እዋን፡ ውጥን ከተማ፡ ኣድለይቲ ዝብሃሉ ማሕበራዊ ለውጥታት ንምትእትታዉ፡ ከም ሓደ ኣገዳሲ መሳርሒ የገልግል’ዩ። ነዊሕ ከይከድና፡ ኣብ መበል 20 ክ/ዘ ዝነበሩ ክልተ ኣብነታት ክጠቅስ። እቲ ሓደ፡ ኣብ መፈለምታ መበል 20 ክ/ዘ ልዑል ተቐባልነት ዘጥረየ the neighborhood unit ተባሂሉ ዝፍለጥ፡ ክላረንስ ፔርይ ብዝተባህለ ኣሜሪካዊ ናይ ውጥን ከተማን ናይ ስነ-ሕብረተሰብን ምሁር ዘበገሶ ኢዩ። እቲ ካልኣይ ከኣ፡ New Urbanism ብዝብል ዝፍለጥን፡ ኣብ መወዳእታ 20 ክ/ዘ ሰፊሕ ዝርግሐን ተቐባልትን ዝረኸበ፡ ክሳብ ሕጂ ‘ውን ኣሰሩ ዘይሃሰሰ፡ ናይ ውጥን ከተማ ኣምር እዩ። ኣብ ትሕዝቶ እዘን ክልተ ኣምራት ብዕምቆት ከይኣቶኹ (ኣብ ዝመጽእ ክምለሶ እየ)፡ ናይ ክልቲአን ኣምራት ቀንዲ ተልእኾ፡ ውጥን ከተማ ተጠቒምካ፡ ኣብ ሕብረተሰብ ተደለይቲ ዝብሃሉ ባህርያት ምምጻእ እዩ።

ነዞም ኣብ ዓውዲ ውጥን ከተማ ዝውቱራት ዝኾኑ ኣምራትን ሜላታት ከም መወከሲ ተጠቒምና፡ ነተን ብግዜ ደርግን ድሕሪ ናጽነትን ዝተሰርሓ ገዛውቲ/እንዳታት[1] (neighborhoods) እንተ ገምጊምና፡ ብዛዕባ ከተማን ኣባይትን ዘለና መረዳእታ፡ ጌና ኣብ ዓንኬል እቲ ኣብርሃም ማዝሎው[2] መባእታዊ ድሌታት (physiological needs) ኢሉ ዝገልጾ ተሓጺሩ ምህላዉ ይእምት። እዚ ከም ነቐፌታ ዝያዳ ናብ’ቶም እዚ መዝነታት ዝምልከቶም ኣመሓደርቲ ዝቐንዕ ኮይኑ፡ ብሓፈሻ ግን ኣባና ኣብ ህዝቢ ንዘሎ ድሩት መረዳእታ ‘ውን የመልክት። ገዛ ክበሃል ከሎ መጽለሊ ጥራይ፡ ከተማ ክበሃል ከሎ ከኣ ብጻዕቂ ዝተሃንጹ እኩባት ገዛውቲ ዘቑምዎ ጂኦግራፊያዊ ኣካል ጌርና ከም እንርድኦ ስለ ዝመስል።

ኣርእስተይ ከምዝሕብሮ፡ ኣተኩሮ እዛ ጽሕፍቲ፡ ተራ ውጥን ከተማ ኣብ ምኹስኳስ ሲቪካዊ ንቕሓት ኢዩ። ሓደ ካብቲ ነዛ ጽሕፍቲ ከቐድማ ዘምረጸኒ ምኽንያት፡ ከምዚ ናትና ብማሕበራዊ ኣቃውምአን ሕብረ-ብዙሓት ዝኾና ሃገራት (ናይ ባህሊ፣ እምነትን ብሄርን ብዙሕነት ዘለወን ሃገራት)፡ እዚ ብኣተሃናንጻ ከተማታትና ዝንጸባረቕ ዘሎ ዘይተወደነ መረዳእታ፡ በቲ ቅኑዕ መረዳእታ ክትካእ እንተዘይክኢሉ፡ ኣብ መጻኢ ንውህደት ህዝብና ብኣሉታ ክጸሉ ተኽእሎ ስለዘለዎ ኢዩ።

ከተማ ማለት፡ ጻዕቂ ናይ እኩብ ገዛውቲ፣ ነዋሕቲ ሕንጻታት፣ ጽርግያታት፣ ቀረባት ማይን ጸዓትን፣ ምውጋን ደረቕን ፈሳስን ርስሓት ማለት ጥራይ ኣይኮነን። ብፍላይ በዚ ድሕሪ መበል ዕስራ ክፍለ-ዘበን እናወርጸጸ ዝመጸ መረዳእታ፡ እቲ ንሓደ ከተማ ናይ በሓቂ ከተማ ከብሎ ዝኽእል፡ እቲ ከተማ ዝፈጥሮ ባይታ ንህይወት ዝኹስኩስ ድዩ፡ ወላስ መጫጭሒ ሂወት ጥራይ’ዩ ንዝብል ሕቶ ምምላስ፡ ኣንፈት ክህበና ይኽእል’ዩ። ቅልል ብዝበለ፡ እተን መንበሪ ገዛውቲ ብተናጸል ዘይኮነስ ብደረጃ እንዳታት፡ ውሁድ ሓባራዊ መንነት፣ ህይወት ዝኹስኮሰሉን ሲቪካዊ ንቕሓት ዘስንቕን ኣገልግሎታት ክህልወን ኣለዎ ማለት’ዩ።

መሬት ተመሪሑ፡ ሰብ እንተስ ብውልቁ፡ እንተስ ብመንገዲ ናይ ህንጻ ኩባንያታት መንበሪ ገዛውቲ ይሰርሕ። ሓላፍነት ናይ ሓንቲ ኣብዘን መንበሪ ገዛውቲ ዝነብራ ስድራቤታት፡ ኣብ ክሊ’ቲ ብውልቃዊ ዋንነት ናተይ እትብሎ ቀጽሪ ኢዩ ዝሕጸር። እቲ ኣብ ሞንጎ ህንጻታት ዘሎ ባይታ፣ ሓባራዊ ባይታ (public space) ዝብሃል፡ ዋንነቱ ናይ መንግስቲ[3] ኰይኑ፡ ከም መላግቦ ነተን ብተናጸል ዝውነና ኣባይቲ ሓደ ሓባራዊ መንነት ይህበን።

እዘን ናይ ውልቂ ኣባይቲ (ኣብዚ ኣባይቲ ዝነብራ ስድራቤታት) ‘ውህደት ኣለወን’ ክንብለን እንተ ኰይንና፡ እቲ ኣብ ሞንጎ’ዘን ህንጻታት ዘሎ ሓባራዊ ባይታ እንታይ ዓይነት ትሕተ-ቅርጽን ቅድን ኣለዎ፧ ከመይ ዝበለ ኣገልግሎታት ከ ይህብ፧ ዝብሉ ሕቶታት ምምላስ የድሊ። ንኣብነት፤ ቆልዑ ብዘይስግኣት ክጻወቱሉን ክላለዩሉን ዘይፍቅድ ባይታ ድዩ፧ ኣረጋውያን ብዘይ ሓደጋ፣ ፍርሕን ምርባሽን ክናፈስሉን ክዛነይሉን ዝምችእ ድዩ፧ ጽፉፍ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት የእንግድ ዶ፧ ሓደጋ ዘውሕድ ንህዝባዊ መጉዓዝያ፣ ኣጋርን ብሽክለታን ቀዳምነት ዝሰርዕ ናይ መጉዓዝያ ትሕተ-ቅርጺ ይውንን ዶ፧ ዝብሉን ካልኦትን ረቛሕቲ ከም ምባእታዊ መምዘኒታት ክንጠቅስ ንኽእል። ንእግረመገደይ፡ ዋንነት ሓባራዊ ቦታታት ናይ መንግስቲ’ዩ ካብ በልና፡ ነዚ ቦታ ንመዓላ ህዝቢ ብዝጥዕምን ህይወት ነበርቲ ብዘሰንን ናይ ምቕያስን ምምሓደርን ሓላፍነት ናይ ምምሕዳር ከተማ መዝነት ኢዩ ንብል ምህላውና ዘወላውል የብሉን።

ኣገዳስነት ውጥን ከተማ ኣብ ሲቪካዊ ንቕሓት ዜጋታት ዝብል ቴማ ኣብ ዝልዓለሉ እምብኣር፡ ህላው ውሑስ፣ ኣሳታፊ (ንኹሉ ክፉት ዝኾነ)፣ ኣብ ከባቢ መንበሪ (ካብ 1 ኪ.ሜ. ኣብ ዘይነውሕ ርሕቀት) ክህሉ ዝግብኦ መጻወትን መዛነይን ቦታታት ፍሉይ ኣገዳስነት ይሕዝ። እዚኣ ነጥቢ ክትጎልሕ ዝደለኹሉ ምኽንያት፡ ሲቪካዊ ሓላፍነታት ዜጋታት ኣብ ምኹስኳስ ልዑል ግደ ስለ ዘለዎ ኢዩ[4]። እዚ፡ ብፍላይ ንህጻናትን መንእሰያትን፡ ካብቲ ብስድርኦም ዝውሃቦም ናይ ባህልን መንነትን መሰረታዊ ምህሮ፡ ብዝሰፍሐ ከለብሞምን ግንዛበ ክህቦምን ይኽእል። ማሕበራዊ ብዙሕነት ኣብ ዘአንግድ ከባቢ ምዕባይ፡ ንኸባቢኦምን ሃገሮምን ዝርእዩሉ ዝተወደነ ግንዛበን ምጽውዋርን ከም ዝድልቡ ይገብር። ሓደ-ጐድናውን ጸቢብን ባህላዊ ኣጠማምታታት(ethnocentrism) ንክጽየኑን ክብድህዎን የዳልዎም።

ባህልታት ብተፈጥሮኦም ዓቃባውያን ኢዮም። ወለዲ ባህላዊ ውርሽኦም ኣብ ውሉዶም ከምሓላልፉ፣ ቀጻልነት ልምድታቶም ከውሕሱ ካብ ዘዘውትሩዎም ሜላታት፤ ንካልኦት ባህልታትን እምነታትን ከም መወከሲ ብምጥቃም፡ ናትካ ምስ ናይ ካልኦት ተወዳዲሩ ዝያድ ከምዝበልጽ ዝእምት ትሕተ-ቃና ኣለዎ። ከምዚ ዝኣመሰለ ትሕተ-ቃና፡ ባህልታት ብዘልማድ ቀጻልነቶም ከውሕሱ ዝጥቀሙሉ ዋልታ (defence mechanism) እዩ። ከምዚኦም ተርእዮታት ብመሰረቱ ነውሪ ድኣ ኣይኹኑ እምበር፡ ዘይተኸለሱ ተጻያዊ ኣረኣእያታት ንኽስዕርሩ ዝምእምእ ባይታ ናይ ምፍጣር ተኽእሎ ግን ኣለዎም። ነዚ ዝትክእ ቅኑዕ ኣረኣእያ፡ ሲቪካዊ ንቕሓት ዝምልምል ስርዓተ-ትምህርትን ኣከባብን (environment) ብምቕላስ ይህነጽ። ብመንጽር’ዚ፡ ውጥን መንበሪ እንዳታት (residential neighborhoods) ኣብ ከተማ ሲቪካዊ ንቕሓት ዜጋታት ዝሃንጽ እንዳታት ኣብ ምፍጣር ልዑል ተራ ስለዘለዎ ኣብ ኣጀንዳና ክሰፍርን ብዘይ ተጒላባ ክስርሓሉን ይግባእ።

# እዚ ጽሑፍ፡ ኣብ ትሕቲ ዓምዲ ውጥን ከተማ ዝቐርብ ተኸታታሉ ጽሑፍ ኢዩ። ቀዳማይ ክፋል ሓፈሻዊ መእተዊ ዘጠቓለለ ኰይኑ፡ ኣብዚ ኣለኩም።

ርእይቶኹም ካብ ምጽሓፍ ኣይትቈጠቡ።

                                           ይቕጽል

@ፍትዊ ወልዳይ

እግረጽሑፍ

[1] እንዳ እትብል ቃል፡ neighborhood ንዝብል ናይ ቋንቋ እንግሊዝ ቃል ብዝውክል ተጠቒመላ ኣለኹ።

[2] መባእታዊ ድሌታት፡ እቲ ህይወት ንምዕቃብ መሰረታዊ ዝኾነ ድሌታት ዘጠቓል ኰይኑ፡ ኣብ ዝትሓተ መሳልል ናይቲ ኣብርሃም ማዝሎው ‘መሳልል ድሌታ’ ኢሉ ዝጠቕሶ ሃረም ይርከብ።

[3] ኣብ ገለ ምዕራባውያን ከተማታት፡ ብውሱን ደረጃ ብውልቂ ከምኡ ውን ብልፍንቲ መንግስትን ብሕታውያን ትካላትን ዝምሓደር ሓባራዊ ቦታታት ኣሎ። እዚ ከም ተርእዮ ሓድሽ፣ ዝርግሐኡ ድሩት ኣድማዕነቱ ውን ኣካታዒ ስለዝኾነ፡ ንምዓላ’ዚ ጽሑፍ ኣብተን ዋንነተንን ምምሕዳረንን መንግስታውያን ዝኾና ሓባራውያን ቦታታት ብምትኳርና ንኸስሮ የለን።

[4] ተራን ኣገዳስነትን ውጥን ከባቢታት መንበሪ ኣብ ምህናጽ ሲቪካዊ ንቕሓት ዜጋታት ዝያዳ ኣብ ናይ ባህሊ ብዙሕነት ዘለወን ሃገራት ይዓዝዝ።እዚ ከም ኣርእስቲ ብዙሕ ኣይተጻሕፈሉን። ሓደ ካብቲ ምኽንያት ምናልባት ኣቃውማ ሕብረተሰብ ናይ’ተን ብውጥን ከተማ መሪሕ ተራ ዝሓዛ ሃገራትን ትካላት መጽናዕትን ክኸውን ይኽእል ኢለ እግምት። ዉሁድ (homogeneous) ወይ ናብኡ ዝቕረበ ሕብረተሰባዊ ኣቃውማ ኣብ እትውንን ሃገር፡ እዚ ኣርእስቲ ከም ኣገዳሲ ቴማ ጠመተ ኣይረክብን። ብተጻይ’ዚ፡ ኣብ ከም ኤርትራ ዝኣመሰላ ሕብረ-ብዙሕ ህዝቢ ዘለወን ሃገራት፡ ብግቡእ ዝተወጠነ ከተማን መንበሪ ከባቢታትን፡ ሃገራዊ መንነት ኣብ ምህናጽን ምዕቃብን ዘይንዓቕ ተራ ኣለዎ ኢለ ክምጉት እደፍር።

One comment

  1. Teklehans Kubrom

    Very important concept. Thanks for sharing.
    As you said in our country a city means a place where people live. It lucks all the important infrastructure including parks. I couldn’t agree more on your points in regards to parks. Parks are important public places where people meet and greet. It’s also great place for a diverse society like us to learn about their respective cultures and strength the unity.

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *