Monday , December 11 2023

ብድሆታት መነባብሮን ማሕለኻ ኣእምሮን

ኣብ ኤርትራ፡ ናይ ‘ወዲ ከተማ’ ታሪኽ፡ እንተኾነ ካብ 80 ዓመታት ኣይነውሕን ኢዩ። ‘ወዲ ከተማ’ ክብል ከለኹ፡ ብማሕበረ-ቁጠባዊ መለክዒታት ካብ ናይ ገጠር ፍልይ ዝበለ መነባብሮ ዝነብር (ንኣብነት፡ ንቁጠባ ብዝምልከት ኣብ ማሕረስን መጓሰን ዘይምርኮስ) ማለተይ’የ። ካብተን ሰማንያ ዓመታት ውን፡ ኤርትራውያን ዋናታት ከተማታቶም ምስኮኑ፡ ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም ንከተማታት ዝኣተዉ እንተደኣ ኣጉዲልናዮም፡ እቲ ናይ ከተማ ታሪኽና ዝያዳ ዝሓጸረ ይኸውን። መቸም ኣብ ጓል መንገዲ ደኣ ኣትየ’ምበር፡ ክብሎ ዝደለኹስ ከተማዊ ታሪኽና ንክትርኽ ኢለ ኣይኮንኩን። እቲ ክብሎ ዝደለኹ፡ ንማሕበረ-ቁጠባዊ ኣቃውማናን ምስኡ ተኣሳሲሩ ዝኸይድ፡ ንኣተሓሳስባና ዝቕይድ ማሕለኻታትን ዝኣመተ ኢዩ። ኣብ ሕመረት ናይ ርኢቶይ ክሳብ ዝኣቱ፡ ዘገም ክብል ግዜ ክወስደልኩም ኢየ’ሞ ቁሩብ ተዓገሱኒ፣ ክሳብ ሳልሳይ ምዕራፍ።

ከተማዊ ታሪኽና ኣዚዩ ሓጺር ዕድመ እዩ ዘለዎ ዘበለኒ፡ ወላ እቶም ኣብ ከተማ ክሳብ ካልኣይ ወይ ሳልሳይ ወለዶ ዝበጽሑ፡ ብኣተሓሳስባ ይኹን ብማሕበረ-ቁጠባዊ ኣቃውማ ካብ’ቲ ብማሕረስን መጓሰን ዝናበር ክፋል ሕብረተሰብ ብዙሕ ኣይተፈንተቱን ንዝብል ከም መበገሲ ጽሑፈይ ክቐምጦ ስለዝደልኹ ኢየ። ‘እዚ ደኣ’ሞ ኣየናይ ረቂቕ ሳይንስ ኮይኑ’ ትብሉ እንተሃሊኹም፡ ኣይተጋገኹምን። ስጡም መጎተ ክኾነለይ ኢለ ጥራይ ኢየ ብኡኡ ጀሚረ። እምበር፡ ብዓቢኡስ ልዕሊ 70% ህዝብና ብማሕረስን መጓሰን እንድዩ ዝናበር።

ንመለስ በሉ ኣብ ሕመረት ጽሑፈይ። ከም ናይ ዓድና፡ ብባህላዊ ማሕረስን መጓሰን ዝናበር ህዝቢ፡ ክረምቲ እንተሃበት ይድረር ክረምቲ እንተሓሰመት ከኣ ጾሙ’ዩ ዝሓድር። ተፈጥሮ ከኣ ቃሕ ኣብ ዝበላ ትህብ፡ ፊን እንተይልዋ ከኣ ጉም ከምተብለካ ናይ ነዊሕ ዓመታት ፍቱን ተመኩሮታት ስለዘለዎም፡ ነብሲ ወከፍ ውሳኔታቶም ናይ ጌጋ ተኽእሎታት ንምውሓድ ደኣ እምበር ምህርቲ ንምዝያድ ዝዓለመ ኣይኮነን። ምኽንያቱ፡ ናይ ሓደ ክረምቲ ጌጋ ዋግኡ ዓጸቦን ጽንተትን ስለዝኾነ። ብኻልእ ኣበሃህላ፡ ካብቲ እንተተዓዊቱ ዘኻዕብቶ ሃብቲ፡ እንተዘይተዓዊቱ ዝኸፍሎ ዋጋ ስለዝዓቢ፡ ሓደሽቲ ለውጥታት ከትኣታቱ ኣይደፍርን። ብትግርኛ ደኣ ትርጉማ ጸጊማትኒ እምበር፡ ብቛንቛ እንግሊዝ ‘ሪስክ ኣቨርዥን’ (risk aversion) ዝብልዎ ባህርያት ኢዩ ዝኸውን ዘሎ። ‘ሪስክ ኣቨርስ’ ኣብ ዝኾነ (ሪስክ ክወስድ ዘይደፍር) ሕብረተሰብ፡ ሓድሽ ምህዞ፡ ኣድማዕነቱ ብዘየገድስ ሓንሳእ ወይ ክልተ ሻዕ ጥራይ ዘይኮነ፡ ብተደጋጋሚ ተፈቲኑ ክሳብ እሙን ዝኸውን፡ ኣይድፈርን። እቲ ዝርካቡ ንኣሽቱ ለውጥታት፡ ዘገምታውን በብነኣሽቱ (incremental) ወሰኽ ዝኽዕበትን ጥራይ ከኣ ኢዩ ከም ቅቡል ቴክኖሎጂ ናብ ሕብረተሰብ ክዘሩቕ ዝኽእል። ከም መገናዘቢ፡ እዚ ሕጂ እንጥቀመሉ ናውቲ ማሕረስን ምስኡ ዝተሓሓዝ ኣፍራዪ ቴክኖሎጂን ንኽንደይ ዓመታት ካብዚ ሕጂ ዘለዎ መሰረታዊ መቕይሮ ከይገበረ ከምዝጸንሐ እንተተዓዚብና፡ እኹል እመስለኒ።

ሱር-መሰረት ናይ’ዚ ‘ሪስክ ኣቨርስ’ ባህርያት፡ ናይ ናብራ ውሕስነት ዘይምህላው ኢዩ። ሎምዘበን ዝሓፈስካዮ ምህርቲ ንዓመታ ከምትሓፍሶ፡ ሎምዘበን ዝሓለብካያ ላምካ ንዓመታ ብሂወታ ከም ትሰግራ፡ ዝኾነ ይኹን ውሕስነት ወይ መድሕን (insurance) የብልካን። ጥሜት፡ ወላ ልምዘበን እንተጸገብካ፡ ከምጽላሎት ኩሉ ግዜ ተጎዝጒዛትካ ኢያ ትጉዓዝ። ኣድብያ ግዳይ ከይትገብረካ ከኣ ኩሉ ግዜ ኣብ ተጠንቀቕ ክትከውን ትግደድ።

ከምዚ ዝኣመሰለ ማሕበረ-ቁጠባዊ ክውንነት ንነዊሕ ግዜ ምሳና ዝለዝጸንሐ፡ እቲ መሳንይቱ ‘ሪስክ ኣቨርስ’ ናይ ምዃን ባህሪ ከም ፍቱን ናይ ህላወ ሜላ (survival technique) ድልዱል ባህላዊ ሰረት ዘንጸፈ ኢዩ። ስለዚ፡ ወላ ካብ ማሕረስ ምስወጻእና ውን እንተኾነ ንወለዶታት ብዝኸይድ፡ ንኹሉ መዳያት ኣተሓሳስባናን ውሳኔታትናን ዝጸሉ ሓያል ህላወ ኣለዎ። ሓደ ካብዚ፡ ኣብ ትምህርቲ እንወስዶም ናይ ሞያ ምርጫታትና ናይዚ ሓደ ነጸብራቕ ይመስለኒ። ከም ምሁራት ውን፡ ናይ መሃዝነት ብቕዓትና ውሃ ዘብል ኣይከውንን። ካብ ማሕለኻ ድኽነት ክርሕቕ ዝተማህረ ሰብ፡ ካብ ድኽነት ብልክዕ የምልጥ ይኸውን፡ ኣብ ዓውዲ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ግን መሃዚ ክኸውን ዓቐብ’ዩ ዝኸውን። ሰርዓተ-ትምህርትና እሞ ዘክርዎ። ምሃዝነት ኢማጂኔሽን (imagination) የድልዮ። ድኽነት ብውልቂ ጥራይ ዘይኮነ፡ ብደረጃ ሕብረተሰብ ብጅምላ ብድሕሪት እንዳኮብኮበትካ፡ ኣብ መሬት ብዛዕባ ዘሎ ቅጫ ደኣምበር፡ ኣንቃእሪርካ ብዛዕባ ናይ ጠፈር ስፍሓት እናሰላሰልካ ኣይኮንካን እትመሃር።

«እሞ ንሕናስ ካብ ካልኦት ኣህዛብ ብምንታይ ስለንሓምቕ ኢና ናይ ምህዞ ዓቕሚ ዝውሕደና» ንዝብል ለባም ሓታታይ፡ መልሰይ «ኣይነስተማስል በይንና ኣይኮናን» ዝብል’ዩ። ኣብ ዝምዕብላ ዘለዋ ሃገራት ብሓፈሻ፡ ኣብ ኣፍሪቃ ከምኡ ውን ኣብተን ኣብ ዓመት ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ምሁራት ዘመርቓ ሃገራት ህንድን ቻይናን ሓዊስካ እቲ ዝበዝሐ ኣድማዕነቶም፡ ካልኦት ንዝበጽሕዎ ፍልጠት ኣብ ምምላኽ ኢዮም ዘለው። ናይዘን ሃገራት ናይ ናብራ ውሕስነት (ብፍላይ ኣብ ሃገራት ኤስያ) ብናህሪ ይስጉም ስለዘሎን፡ እቲ ሓድሽ ወለዶ ድማ ኣብ ዝተፈልየ ቁጠባዊ፣ ትሕተ-ቅርጻውን ባህላውን ባይታ ይዓቢ ስለዘሎ ግን፡ ኤስያ ዝመበቆሉ ምሃዝነት ብናህሪ እናወሰኸ ከም ዝኸይድ ብዙሕ ኣይማታእን።

ንሕና እዞም ፍረ ናይ ዘይርጉእን ውሕስነት ዘይብሉን ማሕበረ-ቁጠባዊ ክውንነት ዝኾንና ኤርትራውያን፡ ብዝከኣል ነቲ ካልኦት ምሁራት ዝገበረርዎን ዝበጽሕዎን፡ በብሞያና ክንበጽሖ ንፈትን። ከምዚ ኢልና ድኽነት እንተወጊድናን፡ ናይ ናብራ ውሕስነት እንተንጺፍናን፡ ዘይማህመነ ተስፋ’ሎ። እንተኾነ፡ ናይ ናብራ ውሕስነት ምቹእ ባይታ ጥራይ’ዩ ዝፈጥር። ብገዛእ ኢድና ምእንቲ ከይንሕንኮል፡ ምስኡ ልቅብ ኣቢልና፡ ናይ ላዕለዋይ ትምህርቲ ፖሊሲና ዲቶክስ ክንገብሮን፡ ንማሕበራውን ቁጠባን ብድሆታትና ከምዝምልስ ጌርና ከነመዓራርናዮን ግድን ይኸውን።

ዘርብሓና ማሕበራዊ ለውጢ ከነምጽእ እንተደኣ ዄንና፡ ንዓይ ናይ መባእታን ማእከላይን ደረጃ ትምህርቲ፡ ዝያዳ ስትራቴጂካውያን ጽፍሕታት ትምህርቲ ኮይነን ይስምዓኒ። ኣብዘን ጽፍሕታት እዚኣተን፡ ሲቪካዊ ዕምቆት ዘለውም፣ ንመሰሎም ዝከላኸሉን ዜግነታዊ ግቡኦም ዝርድኡን ጥዑያትን ሕጉሳትን ዜጋታት ክንሃንጽ እንተኽኢልና፡ ብዓይኒ ምሃዝነት ጥራይ ዘይኮነ፡ ውህደትን ቀጻልነታ ዘውሓሰትን ሃገር ክትህልወና’ያ። ከም ሃገር፡ ብኸምዚ መሰረትና እንተድኣ ኣደልዲልና፡ ምናልባት ኣብ ካልኣይ ወይ ሳልሳይ ወለዶ ብዛዕባ ምሃዝነት ክንንያሕ ንኽእል ንኸውን።

ኣብዚ ምዕቡል ዓለም፡ ንትምህርትን መሃዝነትን ብዝምልከት፡ ንህዝቦም ዝገበርዎ ዝለዓለ ኣበርክቶ፡ ናይ ናብራ ውሕስነት ምርግጋጾም’ዩ። ሰብ ካብ ማሕለኻ ዕለታዊ እንጌራ ምስወጸ፡ ኣእምሮ ከኣ ኣስፊሑ ክሓስብን ክመራመርን ዕድል ይረክብ። ከም መዛዘሚ፡ ንሎሚ በዚኣ ኒል ድግራስ ታይሰን (Neil deGrasse Tyson) ዝብሃል ናይ ኣስትሮፊዚክስ ምሁር ብዝጸሓፋፎ ክፋነወኩም፡
«… Who gets to celebrate this cosmic view of life? Not the migrant farmworker. Not the sweatshop worker. Certainly not the homeless person rummaging through the trash for food. You need the luxury of time not spent on mere survival. You need to live in a nation whose government values the search to understand humanity’s place in the universe. You need a society in which intellectual pursuit can take you to the frontiers of discovery, and in which news of your discoveries can be routinely disseminated» [Astrophysics for people in hurry ካብ እትብል መጽሓፉ፡ ገጽ 194 ዝተወስደ።]

ጥብቆ፡ ኣብዚ ጽሑፈይ ከተኩረሉ ዝደለኹ፡ እዚ ዝጠቐስኩዎ ማሕበረ-ቁጠባዊ ድሕረባይታ ኣብ ትምህርትን ምሃዝነትን ዝህልዎ ማሕለኻታት ስለዝኾነ ደኣምበር፡ እቲ ዝያዳ በዳሂ ጎድኑ ቁጠባዊ ኢዩ። ከምዚ ዓይነት ማሕበረ-ቁጠባዊ ድሕረባይታ ዘለዋ ሃገር፡ ናብ ውሑስ ቁጠባዊ ሓርነት ክመርሓ ዝኽእል ፖሊሲታትን ናይ ወፍሪ ቅድን ብጥንቃቐን ብኣንክሮን ክሕሰበሉ ዘለዎ’ዩ። ነዚ ኣብዚ ዘልዓልኩዎ ሓሳባት ከም መበገሲ ገይሩ፡ ኣብ ቁጠባዊ ዕብየት ዘተኮረ ዓምዲ ኣብዚ ቀሪቡ ኣሎ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *