“ንፍልጠትካ ንቈልዓ ከተርድኦ እንተዘይክኢልካ፡ እቲ እትፈልጦ ዝመስለካ ፍልጠት ኣይመለኽካዮን” ዝብሃል ብሂል ኣሎ። ብወገን ኤርትራውያ ሰብ ሞያን ምሁራትን ድማ፡ ነቲ ንፈልጦ ንቈልዓ ጥራይ ዘይኮነስ ንዓበይቲ ውን ክንገልጾ ኣይክኣልናን፣ ሞያና እንገልጸሉ ካብቲ ባህልና እንገልጸሉ ቋንቋ ስለዝተፈላለየ። ከም ኣባላት ሓደ ሕብረተሰብ መጠን፡ እቲ ዝተምሃርናዮ ኣብ ሕብረተሰብና ክዘሩቕን ኣብ ኣተሓሳስባን መነባብሮን መቐይሮ ከምጽእን እንተዘይክኢሉ፡ ትምህርቲ እንታይ’ዩ ፋይድኡ፧
ይውሓድ ይብዛሕ፡ ከም ኤርትራውያን ኣዋህሊልናዮ ዘለና ፍልጠት፡ ካብ በይናዊ ዋንነት ወጺኡ ናይ ሕብረተሰብ ሓባራዊ ሃብቲ ንክኸውን በቲ ህዝብታትና ዝመልኮ ቋንቋ ክዝረብን ክዝርጋሕን ኣለዎ።
ተልእኾ ፈለግ.ኮም አምበኣር፤ ሞያዊ ብቕዓት ምሁራትና፡ ህዝብና ብዝመልኮ ቋንቋታት ዝቐርቡሉን፣ ሞያውያን፡ ኣብ ዝነጥፉሉ ዓውዲታት ዝግበር ምርምርን ውጺቱን ምስ ሕብረተሰብ ዘላልዩሉን ባይታ ንምፍጣር’ዩ።
መርበብ ፈለግ.ኮም እተውጽኦም ትሕዝቶታት፡ ኤርትራውያን ሞያውያን ንዕምቈት ሞይኦም ምስ ህዝቢ ዘላሊ፣ ሞያዊ ዓቕሚ ዝፈሰሶም፣ ካብ ናይ 10 ደቒቕ ንባብ ዘይሓልፉ (ካብ 3 ገጽ ዘይነውሑ) ጽሑፋት ኢዮም ክኾኑ። ቅዲ ኣጸሓሕፋ፡ ካብ ኣንባቢ ፍሉይ ሞያዊ ዕምቈት ዘይጠልብ፣ ቅልል ዝበለ ኣጸሓሕፋ ክህልዎ ይድለ። እዚ ብሓርፋፍ ኣተረጓጉማ ህዝባዊ ስነፍልጠት (popular science) ብዝብል ዝፍለጥ ቅዲ ኣጸሓሕፋ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ዝዓይዩ ተመራመርቲ፡ ፍልጠቶም ኣብ ህዝቢ ከመሓላልፉ ዝጥቀሙሉ ዝውቱር ቅዲ ኣጸሓሕፋ ኢዩ። ብዘይካዚ፡ ንኤርትራ ዝምልከት፡ በብዓውዱ ንኹሉ ጎድንታት ህይወትን ተፈጥሮን ዝድህስሱ፣ ሞያዊ ዕምቆት ዘለዎም ናይ ፖሊሲ እማመታት፣ ትንተናታትን ትምህርታዊ ጽሑፋትን ክቐርብ’ዩ። ኣብዚ መርበብ ዝወጹ ጽሑፋት፡ ስነምግባር ምርምር (research ethics) ዝሓለዉን ማሕበራዊ ክብርታት ዘይደፍሩን ጽሑፋት ክእንገዱ እዮም። ካብዚ ወጻኢ፡ ዜናን ንዜና ተኸቲሎም ዝፈርዩ ትንተናታትን ኣይክቐርቡን እዮም። ብመንጽር ስነምግባርን ማሕበራዊ መዐቀኒታትን ኣካታዒ ትሕዝቶ ዘለዎም ጽሑፋት ኣብ ዝቐርቡሉ፡ ብኤዲቶርያል ቦርድ ውሳነ ክውሃብ’ዩ።
እዛ መርበብ ኣብዚ ፈላሚ እዋን ሒዛቶ ዘላ ቅርጺ፡ ግዝያዊ ኢዩ። ምስ ግዜን ዕብየትን ከኣ እናተመዓራረየ ክኸይድ ኢዩ። ኣብ ዝሓጸረ እዋን፣ “Science and Technology” ከምኡ ‘ውን “Natural resources” ዝብላ ዓውድታት ክውሰኻ እየን።
ኣብዚ እዋን’ዚ፡ ብኤርትራውያን ምሁራት ዘተባብዕ ብሓባር ናይ ምስራሕ ተበግሶታት ይውሰዱ ኣለዉ። ኣብ ሓጺር እዋን ብመንገዲ እዚ ተበግሶታት፡ ብሞያን ኣተሓሳስባን ዘሀብትመና ትሕዝቶ ክፈሪ ተስፉ ኣሎ። እዛ መርበብ ምስ ከምዚ ዝኣመሰለን ካልእን ተበግሶታት ተማላላኢ ተራ እናዓመመት ንህዝብና ብፍልጠት ኣብ ምጉልባት ክትዓይይ ኢያ።
ፍትዊ ናይ ብሓቂ ዝንአድ ተበግሶ፡ ብቋንቋና ነቲ ዝፈለጥክሚ ፍልጠት ብዘይ ሓንቅ መልክዑ፡ሓይኽና ከነውርዶ ዝገብር መደብ ስለዝኾነ ብልቢ የመስግን።
ቀጽሎ ከማኻ ይብዝሑ።አብ እትገብርዋ ዕዮ ድማ ኢድ እግዚእርብሄር ተሰንኹም።
መርሓባ ኢሰያስ፡ ኣሜን!
ብወፈራ ታተ ከነብላን፡ ከምኡ ኢልና ‘ውን ከነ’ዕኩኻን ተስፋ’ለኒ።
This is amazing! I really love the multidisciplinary articles.
Thank you Solomon.
The idea is to gradually accommodate all disciplines. Let’s bring our talents together brother.
-Fitwi
ባሓቂ ዝናድ ተበግሶ ፡ ፈለግ ድማ እናሻዕ ትዛሪ እናሓደረት ድማ ትድንፍዕ ምንጪ ፍልጠት ኮይና ርውየት ፍልጥት ክትልግስ ሰናይ ትምኒተይ ክገልጽላ ደስ ይብለኒ።
ኣሜን ግርማይ! ከም ትምኒትካ ይግበረላ ንፈለግ። ብዙሓት ትጉሃት ኢዶም ዝሕውሱሉ ስለዝኸውን ድማ ትስፉው ኢየ። የቐንየለይ
ብጣዕሚ ዝነኣድ ተበግሶ እዩ!! ከምቲ ተዋሂብዎ ዘሎ ስም፡ ዋሕዚ ዘቅርቦ ጽሑፍት ዘይቅንስ ይግበሮ!! 👏👏👏
ኣሜን ዮሴፍ! ከም ኣፍካ ይግበረላ!
I have no words brother! Great initiative and contents. Much appreciation to your active engagement in all fronts. I wish you best of luck, you are inspiration to many.
ብጣዕሚ ደስ ዘብልን ዝንኣድን ተበግሶ:: ፍልጠትካ ንኻልእ ሰብ ከተካፍል ምድላይን: ብቀሊል መንገዲ ክትገልጽ ምኽኣልን ዓቢ ጸጋ እዩ::