Thursday , June 1 2023

እማመ ንውሑስ ቁጠባዊ መጻኢ

ጽማቚ ትሕዝቶ

ኣብ ዝቕጽላ ተኽታተልቲ ጽሑፋት፡ ናብ ውሑስን ቀጻልነት ዘለዎን ቁጠባዊ ልምዓት[1] ንኽንሰጋገር ብዛዕባ ክንሕንጽጾም ዘለና ማሕበረ-ቁጠባዊ ኣማራጺታት ክእምም እየ። ከም መእተዊ፡ ጽልዋ ህሉውን ታሪኻዉን ማሕበረ-ቁጠባዊ ቁመና ኤርትራ ኣብ ጉዕዞ ቁጠባዊ ልምዓት፡ ኣሕጽር ኣቢለ ብምቕማጥ ክፍልም።

ኣብ ባህላዊ ሜላ ማሕረስን መጓሰን ዝተሰረተ ስርዓተ-ቁጠባ፡ ምስ ውሕስነት ህይወትን ህላወ ጸጋታትን ዝተኣሳሰር ናቱ ማሕበረ-ቁጠባዊ ኩነተ-ኣእምሮ ኣለዎ። እዚ ኩነተ-ኣእምሮ ኣብ ውህለላ፣ ወፍሪ፣ ኣውፋርነት ወይ ምሃዝነት ኣውፈርቲ  (entrepreneurship)፣ ወዘተ ዕዙዝ ጽልዋ ኣለዎ። ስለዝኾነ፡ ንቁጠባዊ መስተርሆት ኣሚትና እንሕንጽጾም ውጥናት፡ ኣብ ጽፉፍ መረዳእታ ሕሉፍን ህሉውን ቁጠባዊ ቁመናናን ንሱ ዝመሰረቱ ቁጠባዊ ኩነተ-ኣእምሮን ክስረት ይግብኦ ኢለ እኣምን።

ኣብ መእተዊ፡ ንህሉውን ታሪኻዉን ማሕበረ-ቁጠባዊ ቁመና ኤርትራ ከም መወከሲ ብምንጻፍ፡ ድሕሪኡ ኣብ ዝቕጽል ምዕራፋት፡ እዚ ክውንነት’ዚ ምስ ምሃዝነት፣ ወፍሪ፣ ቁጠባዊ ልምዓትን ምምዕባል ዓቕሚ ሰብን ዘለዎ ምትእስሳር ከስዕብ’የ። ናብ ውሑስን ቀጻልነት ዘለዎን ቁጠባዊ መስተርሆት (sustainable economic development) ክመርሕ ዝኽእል፡ ብኣግኡ ከነበግሶን ክንስዕቦን ኣለና ዝብሎ እማመ ‘ውን ክእምት እየ። እዚ ኣርእስቲ በዘን ኣርባዕተ ክፋላት ተማእዚኑ በብእዋኑ ክቐርብ’ዩ።

  1. መእተዊ፡ ህሉው ማሕበረቁጠባዊ ኣቃውማናን ጽልውኡ ኣብ ቁጠባዊ ልምዓትን
  2. ካብ ውሑስ እንብሎ ቁጠባዊ ልምዓትን እንታይ ኢና እንጽበ፧ ከም መንግስትን ሃገርን፡ ቁጠባዊ ምዕባለ ከነውሕስ ካብ እንሕንጽጾም ውጥናት እንጽበዮ ንነዊሕ ዝጠመተ ውጽኢት እንታይ እዩ፧
  3. እማመ ንውሑስን ቀጻልነት ዘልዎን ቁጠባዊ ልምዓት
  4. ገለ ሓሳባት ንኣተገባርኡ፣ መሰረታውያን ጥንቃቐታትን ቅድመኩነታትን

ምስልቻው ንምንካይ፡ ነብሲ-ወከፈ ክፋል ብገምጋም ኣብ ናይ 10 ደቒቕ ንባብ፣ ካብ ሰለስተ ገጽ ብዘይነውሕ ጽሑፍ ክጥርነፍ’ዩ።

ሰናይ ንባብ፣ ርእይቶኹም ብሃንቀውታ እጽበ።

መእተዊ፡ ማሕበረ-ቁጠባዊ ቁመናናን ጽልውኡ ኣብ ቁጠባዊ ልምዓትን

ህሉው ቁጠባዊ ቁመና ኤርትራ ኣብ እነልዕለሉ፡ ክልተ ዓበይቲ ጫሌዳታት ጎሊሖም ይርኣዩ። እቲ ቀዳማይ፡ እቲ ንመዋእል ዝተመላለስናዮ ናይ ማሕረስን መጓሰን ጽላት ቁጠባ ክኸውን ‘ከሎ፣ እቲ ካልኣይ ድማ ነቲ ኣብ ምምስራሕን ኣገልግሎታትን ዘተኮረ ጽላት ቁጠባ ዝምልከት’ዩ። ካብ ክልቲኡ ጽላታት እቲ ኣብ መነባብሮን ዓሚቚ ሰረት ዘንጸፈ፡ ብኣኡ ኣቢሉ ንኣተሓሳስባና ዝቕይድ መረዳእታታት ዘስረጸ ጽላት፡ እቲ ናይ ማሕረስን መጓሰን ጽላት ቁጠባ ኢዩ። ስለዚ ድማ ኣብ መእተዊ ዝያዳ ኣተኩሮ ሂበዮ ኣለኹ።

ኣብ ከም ኤርትራ ዝኣመሰላ ብባህላዊ ማሕረስን መጓሰን ዝናበራ ሃገራት፡ ህዝበን፡ ክረምቲ እንተሃበት ይድረር ክረምቲ እንተሓሰመት ከኣ ጾሙ’ዩ ዝሓድር። ተፈጥሮ ቃሕ ኣብ ዝበላ ትህብ፡ ፊን እንተይልዋ ከኣ ጉም ከም ተብለካ ናይ ነዊሕ ዓመታት ፍቱን ተመኩሮታት ስለዘለዎም፡ ነብሲ ወከፍ ውሳኔታቶም ናይ ጌጋ ተኽእሎታት ንምውሓድ ደኣ እምበር ምህርቲ ንምዝያድ ዝዓለመ ኣይኮነን። ምኽንያቱ፡ ናይ ሓደ ክረምቲ ጌጋ፡ ዋግኡ ዓጸቦን ጽንተትን ስለዝኾነ

ብኻልእ ኣበሃህላ፡ ካብቲ እንተ ትዓዊቱ ዘኻዕብቶ ሃብቲ፡ እንተ ዘይትዓዊቱ ዝኸፍሎ ዋጋ ስለ ዝዓቢ፡ ሓደሽቲ ለውጥታት ከተኣታቱ ኣይደፍርን። ከምዚ ዝኣመሰለ ባህርይ፡ ብትግርኛ ድኣ ተዛማዲ ትርጉም ኣይረኸብኩሉን እምበር፡ እቲ ብቛንቛ እንግሊዝ ‘ሪስክ ኣቨርዥን’ (risk aversion) ዝብልዎ ባህርያት ኢዩ ዝኸውን ዘሎ። ‘ሪስክ ኣቨርስ’ ኣብ ዝኾነ (ሪስክ ክወስድ ዘይደፍር) ሕብረተሰብ፡ ሓድሽ ምህዞ፡ ኣድማዕነቱ ብዘየገድስ ብተደጋጋሚ ተፈቲኑ ክሳብ እሙን ዝኸውን ኣይድፈርን። እቲ ዝርካቡ ንኣሽቱ ለውጥታት፡ ዘገምታውን በብነኣሽቱ ወሰኽ (incremental) ዝኽዕበትን ጥራይ ከኣ ኢዩ ከም ቅቡል ቴክኖሎጂ ናብ ሕብረተሰብ ክዘሩቕ ዝኽእል። ከም መገናዘቢ፡ እዚ ሕጂ እንጥቀመሉ ናውቲ ማሕረስን ምስኡ ዝተሓሓዝ ናውቲ ማእቶትን ንኽንደይ ዓመታት ካብዚ ሕጂ ዘለዎ መሰረታዊ መቕይሮ ከይገበረ ከምዝጸንሐ እንተተዓዚብና፡ እኹል መለበሚ እመስለኒ።

ሱር-መሰረት ናይ’ዚ ‘ሪስክ ኣቨርስ’ ባህርያት፡ ናይ ናብራ ውሕስነት ዘይምህላው ኢዩ። ሎምዘበን ዝሓፈስናዮ ምህርቲ ንዓመታ ከምንሓፍሶ፡ ሎምዘበን ዝሓለብናያ ላምና ንዓመታ ብሂወታ ከም ትሰግራ፡ ዝኾነ ይኹን ውሕስነት ወይ መድሕን (insurance) የብልናን። ጥሜት፡ ወላ ሎምዘበን እንተጸገብና፡ ከም ጽላሎት ኩሉ ግዜ ተጎዝጒዛትና ኢያ ትጉዓዝ። ኣድብያ ግዳይ ከይትገብረና ከኣ ኩሉ ግዜ ኣብ ተጠንቀቕ ክንከውን ንግደድ።

ከምዚ ዝኣመሰለ ኣብ ናይ ባህሪ/ተፈጥሮ ልግሲ ዝምርኮስ ማሕበረ-ቁጠባዊ ክውንነት ንነዊሕ ግዜ ምሳና ስለዝጸንሐ፡ እቲ መኻይድቱ ‘ሪስክ ኣቨርስ’ ናይ ምዃን ባህርይ ከም ፍቱን ናይ ህላወ ሜላ (survival technique) ድልዱል ባህላዊ ሰረት ዘንጸፈ ኢዩ። ስለዚ፡ ወላ ካብ ማሕረስ ምስ ወጻእና ውን እንተኾነ ንወለዶታት ዝኸይድ፡ ንኹሉ መዳያት ኣተሓሳስባናን ውሳኔታትናን ዝጸሉ ሓያል ህላወ ኣለዎ። ከም ኣብነት፡ እቶም ኣብ ከተማ ክሳብ ካልኣይ ወይ ሳልሳይ ወለዶ ዝበጽሑ እንተርኢና፡ ብኣተሓሳስባ ይኹን ብማሕበረ-ቁጠባዊ ኣቃውማ ካብ’ቲ ብማሕረስን መጓሰን ዝናበር ክፋል ሕብረተሰብ ብዙሕ ኣይተፈንተቱን ዝብል ገምጋም ኢዩ ዘለኒ። ከምዚ ዝኣመሰለ ኩነት ኣእምሮ ንኽስዓር ቀጻልነት ዘለዎ ውሕሰነት ናብራ ምርግጋጽ ወሳኒ ኢዩ። እዚ ማለት፡ ሱር ዝሰደደ ኣተሓሳስባ ንምቕያር፡ ብመንጽር ባህላውን ዘበናውን ጽላታት ቁጠባ ዕብየት ምምዝጋብ ጥራይ ዘይኮነ፡ ነዊሕ ግዜ ዝሓትት ውን ምዃኑ ኢዩ።

ዘይውሑስ ናይ ናብራ ሃዋህው ኩሉ ጽዓታት ሕብረተሰብ ኣብ ምዕቃብ ህይወት ከምዝቐንዕ ይገብር፣ ምርግጋጽ ድሕነት ድማ ቀንድን ቀዳማይን ደረጃ ይሕዝ። ወፍሪ ማለት፡ ናይ ጽባሕ እቶት ንምኽዕባት ሎሚ ኣብ ኢድካ ዘሎ ጸጋታት ምብጃው ስለ ዘመልክት፡ ኣብቲ ‘ወፍሪ’ ዝብል ኣምር ዝተጸፍየ ዝተወሰነ ናይ ዘይምዕዋት ተኽእሎ (ሪስክ) ኣሎ ማለት ኢዩ። ናይ ናብራ ውሕስነት እንተዘይሃልዩ፡ ናይ ‘ሪስክ’ ዋጋ (ዋጋ ፍሽለት) ኣዝዩ ልዑል ስለዝኸውን ወላ ትሑት ደረጃ ሪስክ ኣብ ዘለዎ ቁጠባዊ ንጥፈት ምውፋር ዓቐብ’ዩ ዝኸውን።

ባህላዊ ጽላታት ቁጠባ፡ ብባህሪኡ ርእሰማል ዝውሓዶን ኣዝዩ ትሑት ናይ ምውህላል ዓቕምን ኢዩ ዘለዎ። ብተወሳኺ ንግዳዊ ኣምር ዛጊት ብሕጂ ክኣትዎ ዝጽበ ዘሎ ጽላት ምስ ምዃኑ ከም ምንጪ ወፍርን ዕዮን ክኾነሉ ካብ ዝኽእል ኩነት ርሑቕ ኢና ዘለና። እዚ ማለት ማሕረስን መጓሰን ይጠንጠን ከስምዕ የብሉን። እንታይ ድኣ፡ እቲ ቁጠባዊ ዝላ ክህበና ዝኽእል ቁጠባዊ ትልሚ በዚ መንገዲ እዚ ትልኽ እናበልና እንተተመላለስና ከም ዘይንረኽቦ ንምግንዛብ ዝተጠቕሰ ኢዩ። ኣቲ ካልኣይ ውርሻ ናይዚ ባህላዊ ጽላት ቁጠባ፡ እዚ ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስክዎ ኩነተ-ኣእምሮ እዩ። ዕዙዝ ኣገዳስነት ናይዚ ባህላዊ ቁጠባዊ ሰረት ዘንጸፎ ኩነተ-ኣእምሮ፡ ከምቲ ኣብ ላዕሊ ክገልጾ ዝፈተንኩ፡ ወላ ካብቲ ባህላዊ ጽላት ወጺእና ኣብ እነሰላስሎ ዋኒን፡ ንቁጠባዊ ቅማረታትና ስለዝጸሉ ኢዩ።

ክሳብ ሕጂ፡ ባህላዊ ጽላት ቁጠባ ዝቐለሶ ኣተሓሳስባና ንወፍርን ኣውፋርነት (investment and entrepreneurship) ብኸመይ ብኣሉታ ክጸልዎ ከም ዝኽእል ኣተንቢሀ ኣለኹ። ቁጠባዊ ኣተሓሳስባ ኤርትራዊ፡ ብማሕረስን መጓሰን ብምልኣት ክግለጽ ይኽእል ኢዩ ክንብል ግን ኣይንኽእልን። ኣብ ዝሓለፉ 70-100 ዓመታት ካብ ማሕረስን መጓሰን ወጻኢ፡ ኣብ ንግድን ካልኦት ሞያታትን መጠናዊ ሌላን ዓቕምን ደሊብና ኢና። ውጽኢቱ ድማ ኣብ ኤርትራን ዞባናን ዝርአ ኤርትራዊ ቁጠባዊ ንጥፈታት ዝምስክሮ ኢዩ። “ኣብ ዘበናዊ ጽላት ቁጠባ ዘጥረናዮ ተመኩሮ፡ ንሕጽረታት ባህላዊ ጽላት ሓብቢሱ ቀንዲ ሞቶር ቁጠባዊ ልምዓት ክኸውን ይኽእልዶ፧” ዝብል ሕቶ ብዕምቆት ቅድሚ ምድህሳሰይ፡ ንዘበናዊ ጽላት ቁጠባ ብሓጺሩ ሕልፍ ክብሎ ኢየ።

ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ኢትዮጵያ ብፌደረሽን ኣብ ዝተቖርነትሉ፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ እቲ ዝሓሸ ኢንዱስትሪያውን ናይ መጉዓዝያ ትሕተ-ቅርጽን ነይሩዋ። ብተወሳኺ፡ ወላ’ኳ ውሃ ዘብል ናይ ትምህርቲ ትካላት ኣይንበር እምበር፡ ኤርትራዊ ነቲ ጣልያን ሒዝዎ ዝኣተወ ንብረት ብፋሕተርተሩ ተላልዩዎን መሊኽዎን ብምንባሩ፡ ብሞያዊ ብቕዓት ውን ብመንጽር ዞባና ዘነይት ሰባዊ ዓቕሚ ኢዩ ነይሩዋ ኤርትራ።

ኣብ እዋን ደርጊ፡ እቲ ሓድጊ ጥልያን ዝኾነ ኢንዱስትሪን መጉዓዝያን ኣብ ዝተሓተ ጽፍሑ ወሪዱ፣ ማህሚኑ። ክኢላዊ ዓቕሚ-ሰብ ንገድልን ንስደትን ተበታቲኑ። ከም ውጽኢቱ፡ ሃዋህው ትሕተ-ቅርጺ ኣብ 1991፡ ነይሩና ድኣ’ምበር ኣለና ኢልካ ክትዛረበሉ ክሳብ ዘየኽእል፡ ናብ ናይ ትሕተ-ቅርጺ ኣሻራ ወይ ስንብራት ወሪዱ። ንዓቕሚ ሰብ ብዝምልከት ግን፡ “ኣብ መርገም ዘሎ ምርቓ” ኢዩ ዝመስል ነይሩ። ወላ’ኳ ስደትን ምምዝባልን ዘይትኣደነ ሕሰምን መከራን እንተ ኣስዓበ፡ ካብ ዓዱ ዝተሰደደ ኤርትራዊ ብትምህርቲ፣ ርእሰማልን ተሞኩሮን ካብ’ቲ ቅድሚ ፈደረሽን ዝነበሮ ኣብ ዝሓሸ ኩነት ኢዩ በጺሑ። ኣብ ልዕሊ’ዚ፡ ምስ ምምጻእ ናጽነት ኤርትራ ዝተራእየ ልዑል ሲቪካዊ ንቕሓትን ቅሩብነትን መዘና ዘይብሉ ሃገራዊ ጸጋ ኢዩ ነይሩ። እቲ ኣብ እዋን ናጽነት ዝነበረ ማሕበራዊ ቅሩብነት፣ ዓቕሚ ሰብን ጸጋታቱን እምብኣር፡ ብሕታዊ ጽላት ክስስነሉ ዝኽእል ድልዱል ባይታ ክስርትን ከበራብርን ዓቕሚ ነይሩዎ።

እቲ ኣብ መጀመርያ ክፋል ናይ’ዚ ምዕራፍ (መእተዊ) ዝገለጽኩዎ፡ ጽልዋ ዘይውሑስ መነባብሮ ኣብ ወፍርን ኣውፋርነትን በቲ ሓደ፣ እቲ ድሒረ ዝገለጽኩዎ ኣብ መበል 20 ክፍለዘበን ዝዓንበበ ሞያን ጽላታትን በቲ ካልእ ብሓባር ብኸመይ ይዋሰቡ፧ ነቲ ኣብ ቀዳማይ ክፋል ከም ማሕንቖ ወፍሪ ዘቕረብኩዎ በቲ ዳሕረዋይ ብኸመይ ይድበስ ወይ ይጽሎ፧ ብድሆታት ናይቲ ካብ ባህላዊ ጽላት ወጻኢ ዘሎ ብሕታዊ ጽላት ብኸመይ ይግለጽ፧ ናብ ውሑስ ቁጠባዊ መስተርሆት ገጹ ክመርሓና ዝኽእል ውጥን ኣብ እንሕንጽጸሉ፡ ክንግንዘቦም ዘለና ሕጽረታት ክልቲኡ ጽላታት ኣየኖት እዮም ብኸመይ ከ ክውገኑ ይኽሉ፧ እዚኦምን ምስኦም ዝትሓሓዙን ትሕዝቶ ኣብ ዝቕጽል ምዕራፋት ክድህስሶም ክፍትን’የ።

                                                                  ይቕጽል

 

@ፍትዊ ወልዳይ

 

እግረጽሑፍ

[1] ቁጠባዊ ልምዓት ካብ ቁጠባዊ ዕብየት ዝዓሞቐ ትርጉም ስለ ዘለዎ ኣብ ጽሑፈይ ብፍሉይ ኣብ ቁጠባዊ ልምዓት ኢየ ከተኩር። ኣብ ሞንጎ ቁጠባዊ ልምዓትን ቁጠባዊ ዕብየትን ዘሎ ፍልልይ ብኸምዚ ዝስዕብ ይግለጽ።

  • ቁጠባዊ ዕብየት (Economic Growth) – ሓንቲ ሃገር (ወይ ሓደ ጂኦግራፊያዊ ከባቢ) ኣብ ፍርያት ኣቑሑትን ኣገልግሎታትን ንእተርእዮ ዕብየት የመልክት። ቁጠባዊ ዕብየት፡ ብ ጃምላ ዘቤታዊ እቶት (GDP) ይግለጽ። ንኣብነት፤ ናይ ሓንቲ ሃገር ጃምላ ዘቤታዊ እቶት 10% ዓመታዊ ዕብየት ኣርእዩ ክንብል ከለና፡ ድምር ፍርያት ናይ ኩሎም ጽላታት (ብገንዘብ ተተሚኑ) ካብ’ቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ዓመት ብ 10 ሚእታዊ ወሲኹ ማለት’ዩ። ቁጠባዊ ዕብየት፡ በብእዋኑ ኣብ ድምር ፍርያት ንዝርአ ክብን-ለጥቕን ድኣምበር፡ እቲ እቶት ብኸመይ ይመቓራሕ፣ ኣብ መነባብሮ ዘምጽኦ ለውጥን ካልኦት ማሕበረ-ቁጠባዊ ዛዕባታትን ኣየመልክትን።
  • ቁጠባዊ ልምዓት (Economic Development) – ቁጠባዊ ልምዓት ኣብ ልዕሊ ምዕቀኒታት ቁጠባዊ ዕብየት፡ ንመነባብሮን ድሕነትን ዜጋታት፣ ቀረብ መሰረታውያን ኣገግሎታት (ከም ጥዕናን ትምህርትን ዝኣመሰሉ)፡ ንማሕበረ-ቁጠባዊ ዕብየት ዜጋታት ዝመዝን ምዕቀኒታት ይውስኽ።

2 comments

  1. Hei,
    The website is well designed, it is easy to navigate. The contents are great. It would be nice if there can be added more Eritrean pictures that reflects the people, culture, potential mineral sites that are essential for economic development and so on. Ex. It’d be better if the students are Eritreans (they don’t seem to be). Otherwise superb.

    • I am grateful for your sharp insights Amir. You are right, Eritrean pictures will be more appropriate. I was a little bit cautious because of property rights. I will explore the possibility of accessing and incorporating free Eritrean pics

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *