ነዛ ሓጻር ጽሕፍቲ ሰብነት ምእንቲ ከልብሳ፡ ንድሕሪት ምልስ ኢለ ብናይ ቁልዕነት ተዘክሮታተይ ክፍልም’የ።
ኣነ ኣብ ከረን’የ ዓብየ፣ ልሳነይ ከም ተውለ ቋንቋታት ትግርኛ ብሌንን ትግረን እናበራረየ። ኣብ’ቲ ሽዑ እዋን፡ ሃይማኖት ካብ ሽም ዝደምቕ መለለዪ ኣይነበረን፣ ካብ ባህልን ቋንቋን ዝድልድል መለለዪ ኣይነበረን። ንቋንቋታትን ባህልታትን ከረን ብናይ ሓባር ዋንነት ኢና ንለብሶ ዝነበርና። እቲ ሃይማኖት ውን ከምኡ፤ ኣዴታትና ኣብ ግዜ ክረምቲ ብሓንሳብ ይምህለላ፣ በዓላትና ብሓባር ነብዕል፣ ኣብ ቤት ጸሎት ከኣ ነናብ ንኣምኖ ኣንቃዕሪርና ንልምን።
ሕጂ ተመሊሰ ክዝክሮ ከለኹ፡ እሞ ከኣ እዞም ፖለቲካ ወሰና-ወሰን ዝብርሆም፡ ናብ ሓደ ዝዘጠጠ ወዛል ፖለቲካ ክሰብኩ ክርኢ ከለኹስ ይገርመኒ። ነቲ ናይ ቁልዕነት ተዘክሮታተይ ክሳብ ዝጠራጠሮ ይገርመኒ። ብናፍቖት ተለዊሱ ዝወቀበ ተዘክሮ (romanticized memory) ከይከውን ከኣ እጠራጠር።
ግደ ሓቂ፡ እዚ ውህደት’ዚ፡ ቁሩብ ክብን ለጠቕን ደኣ ይብል ይኸውን እምበር፡ ኣብ ብዙሕ ክፋል ኤርትራ ዘጓንፈካ ልሙድ ተርእዮ ኢዩ። ፍቕሪ ዝወለዶ ውህደት ከኣ ኢዩ። ብፍቓዱ ብሓንሳብ ክነብር ናይ ዝመረጸ ህዝቢ፣ መብዛሕትኡ ከኣ ነዊሕ ብዘይከደ ናይ ስጋ ሕረግ ዝተጠምረ ፍቕሪ ስድራቤት። ስለዚ ከኣ ኢያ እዛ “ንጸዋወር” እትብል ቃል ጠላሕ ዘይትብለኒ። መቸም ገለ ለባማት ኣያታትን ኣዴታትን ንገሊኦም ሃወኽቲ (ብፍላይ እቶም ኣብ ሃይማኖት ዓሪዶም ዘዕገርግሩ) ንኽምዕዱ ክጥቀሙላ ሰሚዕኩም ኣለኹም።
ባእሰይ ምስ ‘ንጸዋወር’፡ “መን ኢዩ ንመን ክጾሮ፧” ብዝብል ኢዩ ዝጅምር። ክልተ ምኽንያታት ከኣ ኣለዋኒ፤ ‘ንጸዋወር’ እትብል ቃል ኣብ ውሽጣ ጉጅለኣዊ ድሕረ-ቓና (undertone) ስለዘለዋ፡ መን ኢዩ ኣንጻር መን ክጉጀል ዝብል ሕቶ የለዓዕለልካ። ነቲ ኣነ ዝፈልጦ ውሁድ ህዝቢ (ኣሞታተይ፣ ሓዎቦታተይ፣ ሕትኖታተይ፡ ኣኮታተይ፣ እኖን- ኣቦሓጎታተይን) ኣብ ካንቦታት ስለ እትመቓቕለለይ ባህ ኣይትብለንን’ያ።
እታ ካልአይቲ ምስ “ንጸዋወር” ተኳርየና ከኣ፤ ንሓደ ቤተሰብካን መማቕልቲ ርስትኻን እትጻወሮ፡ ወይ ሕውዋይ ምስዝኸውን ወይ ከኣ ህውከተኛ ምስዝኸውን ኢዩ። ስለዚ ንጸወዋር ሲ ኣይዘረባን፡ ተጓንየኒ ኣላ። ኣብ ቦታ ‘ንጽዋወር’ ሲ ‘ንለብም’ እትብል ቃል ዝያዳ ምተሰማምዓትኒ።
ደድሕሪ ናጽነት፡ ኣብ ከተማ ከረን ቅድሚ ቤት-ትምህርትን መዋእለ-ህጻናትን ብቑጽሪ ዝነሃረ፡ ኣብያተ እምነት ኢዩ ነይሩ። ብብዝሕን ጻዕቅን ማይክሮፎናት ዝሓንገረ ቤተክርስትያናትን መሳጊድን። እቲ ዝጽሊ ኣብ ውሽጢ ቤተ-እምነት እናሃለወ እቲ መጋውሒ (ማይክሮፎን) ንደገ ዝቐንዓሉስ እንታይ ኮን ኢዩ ብልሓቱ ኢለ ድማ እሓስብ። ናይ ብሓቂ፡ ጸሎት/ሰላት ሰብ ልኢኽካ ዝዕመም ነይሩ እንተዝኸውን (outsource ዝግበር ነይሩ እንተዝኸውን)፡ ሳላ ብዝሐንን ኣብ ማይክሮፎን ዝለወን ፍቕርን፡ ጸሎትን ድዓን ኣብ ቤትካ ከለኻ ዳርጋ ምተዓመመ። ሱር ናይ ከምዚ ዝዓይነቱ ተርእዮስ፡ ኣብ ሞንጎ ኣሓዋት ዝፍጠር ባህ ዘይብል ናይ ውድድር ቁሩቁስ ዶ ኾን ይኸውን ኢልካ ከኣ ትሓስብ።
መበቆላዊ ዕላማ ደወልን እዛንን፡ ንኣማኒ ግዜ ጸሎት ንምዝኽኻርን ንጸሎት ንምጽዋዕን ኢዩ ነይሩ ኢለ እግምት። ኣብ መበል 21 ክፍለ-ዘበን ግን ሳላ ቴክኖሎጂ ዝተሳእነ የለን። ተራ ማይክሮፎናትን ደወልን ኣብ ቤተ-እምነት፡ ከም መግለጺ መንነትና ጥራይ ደኣምበር ተግባራዊ መዓላ ዳርጋ ስለዘይብሉ፡ ኣብ ውሱናትን ቀንድን፤ ማለት ጥንታውያን ቤተ-እምነታት፣ ዓበይትን ቀንድን መሳጊድን ቤተክርስትያናትን (እዚአን ውን፡ ኣብ ሓንቲ ከተማ እንተበዝሓ ካብ ክልተ ኣይሓልፋን እየን) ክሕጸር ምተገብአ።
ንኤርትራውያን፡ መከራ ብጅምላ ካብ ዝኮናተረና ዛጊት 60 ዓመት ኣቑጺርና ኣለና። ብጅምላ ካብ ንስደድ ከኣ 50 ዓመታት። እተን ንስራሕን ንዑቕባን እንኸደን ሃገራት፡ ካብቲ ናህና ማሕበራዊ ኣቃውማን ውህደትን ዝተፈልያ ኢየን። ወላኳ ንእምነታትና ምስ ካልኦት ኣህዛብ ዓለም ንማቐሎ እንተኾንና፡ ስርዓትን መረዳእታን ኣምልኾና ግን ብከባቢና ኢዩ ዝቃነ። ንኣብነት፤ ኣብ ስዑድያን ኣብ ቫቲካንን ዝነብሩ ክልተ ውፉያት ኣመንቲ፡ ኣብ እምነቶምን ኣተገባብርኡን ዝህልዎም መረዳእታን፡ ንፍጹምነት ዝቐረበን ካብ ነንሕድሕዱ ኣዝዩ ዝተረሓሓቐን ክኸውን ዘሎ ተኽእሎ ልዑል ኢዩ ኢለ እኣምን። ብኣኡ መጠን ከኣ ናይዞም ክልተ ሰባት መለኮታውን ዓለማውን ግንዛበ፡ ተራጻምን ተሻማውን ናይ ምዃን ተኽእሎ ኣለዎ። ንኸምዚኦም ዝኣመሰሉ፡ እታ ምጽውዋር እትብል ኣምር ኣገዳሲት’ያ። እንተዘየለ፡ ንምሸቱ ብሓንሳብ ዝገደፍካዮም ክልተ ሰባት፡ ንጽባሒቱ ተፋሊሶም ሓዲኦም ጥራይ ክጸንሓካ ስለዝኽእል።
“መሲልካ እንታይ ኣምጻእካ” እንድዩ፡ ሕማቕ ናይ ታሪኽ ተረኽቦ ኴይኑ ኣብ ፈቐድኡ ፋሕ ኢልና ኣለና። ምስ ኩሉ በሰላታትና ከኣ ብዙሓት ጠቐምቲ ተመኮሮታት፣ ትምህርትን ትዕዝብትን ንቐስም ኢና። እንተኾነ፡ ኣብ ማእከል ሓደ ብባህልን ብካልእ ዓለማዊ ግንዛበታቱን ካባና ዝፍለ ሕብረተሰብ እናነበርና፡ እንተ ንጽቡቕ እንተ ንሕማቕ፡ ናይ ባህልን ኣረኣእያታትን ላሕኲ ክህሉ ግድን ኢዩ።
ብመንጽር እዚ፡ ነዚ ላሕኲ እንመምየሉ ሚሐ ክህልወና ወሳኒ ይመስለኒ። ዓንዲ መሰረት ናይ’ዚ መመመዪ፡ እቲ ኣብ ዓዲ ከም ሓደ ስድራቤት ዘዕበየና ጥምረት እንተኾነ ከኣ፡ ከም ዋልታ ካብ ናይ ደገ ሕማማት ክከላኸለልና ኢዩ። ኣይበሎ ደኣምበር፡ ግንዛበታትናን መወከሲታትናን ብነብሲ-ወከፍ እንነብረለን ሃገራትን ሕብረተሰባትን እንተተገሪዙ፡ ካብ ዓድና ፖሊቲካዊ ጸገም ኣውጺኡናስ ንሕና ከኣ ብወገንና ማሕበራዊ መከራ ጽዒንና ክንምለሳ ከም ማለት ኢዩ ዝኸውን።
ልክዕ’ዩ፡ ፖለቲካውን ቁጠባውን ጸገማትና ብዙሕ’ዩ። ብተጻይ’ዚ ግን፡ ከም ሕብረተሰብ ማሕበራዊ ጸጋ ደኣምበር ማሕበራዊ ጸገም የብልና። ስለዚ፡ ብጽልዋ ናይዚ ኣብ ደገ ዘጋጥመና ተመኩሮታት፡ ንነብስናን ነተን ውሑዳት ሒቕታታትናን ብ ጓና ቃላት ክንገልጸንን ደጋዊ ምስሊ ከነትሕዘንን ኣይግባእን።
እስከ ኣይትነቕንቑኒ፡ ሓንሳብ ክሓልም፤
ኣቕድም ኣቢለ፡ ስርዓት ኣምልኾን መረዳእታን እምነታት ብከባቢያዊ ጽልዋታት ኢዩ ዝቃነ ኢለ ነይረ። ንማሕበራዊ ኣቃውማናን ውህደትናን ዝመሳሰል፣ እሞ ድም ተመሳሳሊ ሃይማኖታትዊ ዝርግሐ ዘለዎ፣ ንመለበሚ ከም መወከሲ ክንጥቀመሉ እንኽእል ሕብረተሰብ መን ኣሎ፧ ካብዝን ካብትን ቅንጥብጣብ ክንሽምጥጥ ንኽእል ንኸውን። ነዛ ሕቶ ብምልኣት ክምልስ ዝኽእል ግን ኣሎ ኣይብልን። ፍሉያት ኢና ኣይኮነን ምጉተይ። ናትና ባህርያዊ ፍሉይነት ኣለና ኢየ ዝብል ዘለኹ። ንዘለና ማሕበራዊ ጸጋታት ክንዕቅብ፡ ሰሪ ከነውሕድን ዘድልየና ናውቲ ምሳና ኢዩ ዘሎ።
ኣብ ደረት ትርኢት ብሃንቀውታ እነማዕድዎ መጻኢ፤ ደረታት እምነቶም፣ መንነቶምን ዜግነቶምን ዘለልዩ ንቑሓት ዜጋታት ምህናጽ እንተድኣ ኴይኑ፡ እቲ ናብዚ ዘብጽሓና መንገዲ ካልኦት ኣብ ዝመላለስዎ ዓንኬል ኣይክንረኽቦን ኢና። ንሕና ባዕልና ኣብ ዝቐለስናዮ፣ ንዓና ዝመስልን ንመጻኢ ባህግታትና ብዘንጸባርቕን ትልምታት ኢና ክንበጽሖ እንኽእል። ኣብ ውሽጢ መስጊድ፡ ንመሰል ክስታናይ ዝሕለቕ ኣስላማይ፣ ኣብ ውሽጢ ቤተ-ክርስትያን ከኣ ንመሰል ኣስላማይ ዝሕለቕ ክርስትያን ክኹስኩስ ዝኽእል ትልሚ። ናይ ሎሚ ትልሚታትና ከኣ ናብዚ ዝኣመተ ክኸውን ዝግብኦ ይመስለኒ።
ከምቲ ጥዑይ ኣካላት ንኽንውንን ኣብ ኣፍና እነእትዎ መግቢ ዘገድሰና፡ ወነንቲ ኣትሓሳስባና ንኽንከውን ድማ ነቶም ንመረዳእታታትና ዝቕልሱ መወከሲታትና ብዋንነት ከነምሓድሮም መሰረታዊ ኴይኑ ይስምዓኒ። እሞ ኣብ ኤርትራ፡ ናይ ቲዮሎጂ፣ ሃይማቶታዊ ፍልስፍናን፣ ታሪኽን ኮለጅ (College of Theology, Religeous Philosophy and History) ከመይ ይመስለኩም፧ ካብዚ ናይ ማሕበራዊ ሳይንስ ፈላጣት “ሓጹር ልምድታት” (cage of norms) ዝብልዎ ታኼላ ከውጽኣና ዝኽእል መሳልል፡ ፍልጠት ወይ ዝተወደነ ሓበሬታ ጥራይ ስለ ዝኾነ።
THE END – ሕልሚ ተፈጸመ … ናይ መዛዘሚ ሙዚቃ ካባኹም።
ጥብቆ፡ እዛ ጽሕፍቲ ኣብ ዓመተ-2019 ‘ሓንሳብ ዶ ክንሓልም፧’ ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ፌስቡክ ወጺኣ ነይራ
@ፍትዊ ወልዳይ
2 comments
Pingback: ሓድግታት ዘቤታዊ ሰረት ዘየንጸፉ ዶግማታትን ፍልስፍናታትን – Felegg
Pingback: ሓድግታት፡ ዘቤታዊ ሰረት ዘየንጸፉ ዶግማታትን ፍልስፍናታትን – Felegg