Saturday , September 23 2023

ውጥንን ሓፈሻዊ ትሕተቕርጽን ከተማ

ቅድመጽሑፍ

ዳርጋ ክልተ ዓመት ይገብር፡ ከም መቐጸልታ ናይ ሓንቲ ኣብቲ እዋን ዝጽሓፍኩዋ ጽሕፍቲ፡ “ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ብዛዕባ ውጥን ከተማታትና ክጽሕፍ ኢየ” ኢለ ተፋንየ ነይረ። ኣጀንዳታትና፡ ጫሌዳታቱን ገራዚኡን ብዙሕ’ንድዩ መቸም፡ መብጽዓይ ከይፈጸምኩ ክልተ ዓመት ኴይኑ። ሕጂ ግን ብዕቱብ፡ ንኣገዳስነትን ስፍሓትን እዚ ኣርእስቲ ርትዒ ይህብ’ዩ ብዝበልክዎ ቅጺ፡ ኣብ ሓጸርቲ (ከባቢ 10 ደቒቕ ዝምንውሐን) ምዕራፋት ከፋፊለ፡ በብእዋኑ ከቕርብ ክፍትን’የ። ትሕዝቶ ናይዘን ምዕራፋት፡ ውጥን ከተማ ንውሑስ ኣጠቓቕማ መሬት፣ ርትዓዊ ምምቕራሕ ኣገልግሎታትን ማሕበራዊ ልምዓትን (urban planning for resilient, sustainable and equitable cities) ብዝብል ጠማሪ ሕላገት ክጥርነፍ ይኽእል።

መእተዊ

ኣብ ሕብረተሰብና፡ ብዛዕባ ውጥን ከተማ ከም ሞያን ዓውዲ ምርምርን ዘሎ ኣፍልጦ ኣዝዩ ድሩት እዩ። ስለዝኾነ፡ ቅድሚ ናብ ሕመረት ናይ’ዘን በብእዋኑ ከቕረበን ዝተመባጻዕኩ ጽሑፋት ምእታወይ፡ ‘ውጥን ከተማ ከም ዓውዲ እንታይ ኢዩ፧’ ዝብል ሕቶ ብኸፊል ብምምላስ ክጅምር።

ዓውዲ ውጥን ከተማ (urban planning)፡ ንውጥንን ኣጠቓቕማን መሬት ከተማን ሓውሲ-ከተማን የጽንዕ፣ ውጥን ኣጠቓቕማ መሬት ይሕንጽጽ፣ ከም ሳዕቤን ኣጠቓቕማ መሬት ንዝኽሰቱ ብድሆታት፡ ረብሓታት ነበርቲ ብዘዛይድ መንገዲ የመሓድሮም። ገለ ካብ ዕማማት እዚ ዓውዲ፤

  • ውጥንን ዝርግሐን ትሕተ-ቅርጺ ከተማ፣
  • ውጥንን ምሕደራን መሬት ከተማ (ኣየናይ ክፋል መሬት ከተማ ንምንታይ መዓላ ክውዕል ከምዝግባእ ምውሳን)፣
  • ንህይወት ነበርቲ ከተማን ሓውሲ ከተማን ዘገድሱ ኣገልግሎታት (ቀረብ መጉዓዝያ፣ ቅርበት ንኮማውን ማሕበራውን ኣገልግሎታት)፣
  • ብከላ ኣየርን ንከባብያዊ ጥዕና ዝጸልዉ ንጥፈታትን፣ ወዘተ የጠቓልል።

ውጥን ከተማ ከም ሞያ፡ ብዛዕባ ምድላው ውጥንን፡ እቲ ውዱእ ውጥን ተቐባልነት ንኽህልዎ ክሓልፎ ብዛዕባ ዘለዎ መስርሕን ብማዕረ ኢዩ ዝግደስ። በዚ ከኣ፡ ንቴክኒካውን ፖለቲካውን ጎድንታት ኣዋሲቡ ኣብ ውዱእ ውጥን ይበጽሕ። ዓውዲ ውጥን ከተማ ሰፊሕን ውህደት ብዙሓት ዓውድታትን (multidisciplinary) ኢዩ። ኣብ ውሽጡ ከም ምህንድስናን ስነ-ሕብረተሰብን (ፖለቲካዊ ስነፍልጠት፣ ስነ-ቁጠባ፣ ወዘተ) ዝኣመሰሉ ዓውድታት ከኣ ይሓቁፍ።

በዚ ኣብ ላዕሊ ዝገለጽኩዎ፡ ውጥን ከተማ  ከም ሞያ መጥመሪ ዘይብሉ ፋሕ ዝበለ ንጥፈታት ክመስል ይኽእል ይኸውን። በዛ እትስዕብ ሓጻር መብርሂት ብኸመይ ኣብ ሓደ ዓውዲ ከም ዝጥርነፍ ክገልጽ ክፍትን’የ።

ኣጠቓቕማ መሬት ከተማ (urban land-use) ክንብል ከለና፡ ነቲ ንዝተፈላለየ መዓላታት ዝሕዛእ መሬት ከተማ፤ ማለት ኣብ ባይታ ዝድኮኑ ከም ኣባይቲ፣ መናፈሲታት፣ ቦታታት ንግድን ስራሕን፣ መንግስታውያን ቤት-ጽሕፈታት፣ ኣብያተ ትምህርቲ፣ ኣብያተ እምነታት፣ ጽርግያ፣ ወዘተ ዝኣመሰሉ ድኩናት (structures) ኢዩ ዘመልክት። ኣብ ቅርጺ መሬት ሓደ ከተማ፡ እዞም ዝተፈላለዩ ንጥፈታት ዝህቡ ድኩናት፡ ገሊኦም ብሓንሳብ (ንኣብነት መንበሪ ኣባይቲ፣ ቤት-ትምህርትን ድኳን ኣስቤዛን)፣ ገሊኦም ከኣ ተፈናቲቶም ኢና እንረኽቦም። ንኣብነት፡ ቦታ ዕዮን መንበሪናን ካብ’ቶም ብዙሕ ተፈናቲቶም ዝድኮኑ ኢዮም። እዞም ዝተፈላለዩ ድኩናት፡ ኣብ ባይታ ዘለዎም ምፍንታት ብዘየገድስ፡ እቲ ዝጥርንፍዎ ንጥፈታት ንሓደ ነባሪ ኣገደሲ ኢዩ። ሓደ ነባሪ አዕጋብን ጥዑይን ህይወት ክህልዎ፡ ነዞም ንጥፈታት ከይተጸገመ ክበጽሖም ክኽእል ኣለዎ (accessibility within reasonable distance/time)። ውጥን ከተማ እምበኣር፤ እዞም ኣብ ባይታ ዝድኮኑ ዝተፈላለዩ ንጥፈታት ብኸመይን ኣበይን እንተተደኮኑ ኢዮም ኣብ መነባብሮ ዓይነታዊ ምምሕያሽ ዘምጽኡ፧ ኣየኖት ንጥፈታት ኢዮም ምሰ’የኖት ንጥፈታት ክጻመዱን ብሓንሳብ ክድኮኑን ዘለዎም፧ ከመይ ዝበለ ቅዲ ኣባይትን ከባቢታት መንብርን (residential and neighborhood design) ኢዩ ሕጉስን ጥዑይን መነባብሮ ዝምጥው፧ ንዝተፈናተቱ ንጥፈታት ዘራኽብ ጽፉፍን ምዕሩይን ናይ መጉዓዝያ ኣገልግሎት ኣሎ ዶ፧ ብሓባር፡ እዞም ዝተፈላለዩ ድኩናት ከመይ ዝበለ ውህደት ምስዝህልዎም ኢዮም ጥዕናን ርውየትን ነበርቲ ዘውሕሱን ብከላ ኣየርን ከባብን ዝንክዩን፧ ዝብሉን ነዚኦም ዝኣመሰሉን ኣገደስቲ ዛዕባታታት ይድህስስ።[1][2][3]

ኣብ ዝቕጽላ ጽሑፋት፡ ብዛዕባ’ዘን ዝስዕባ ሓሙሽተ ሰፋሕቲ ኣርእስቲ በብእዋኑ ኣከታቲለ ክጽሕፍ’የ።

  1. ተራ ውጥን ከተማ ኣብ ሲቪካዊ ንቕሓት
  2. ውጥን እንዳታት (Neighborhood design)፤ እብ ትሕቲ’ዚ ኣርእስቲ፡ ናይ ከተማ ሓባራዊ ቦታታት (ሓምላይ ትሕተ-ቅርጺ፣ ፓርክታትን ህዝባውያን መናፈሲታትን፣ መጻወቲ ቆልዑ፣ ወዘተ)፣ ኮማዊ ትሕተ-ቅርጺ ክቐርቡ ኢዮም።
  3. ናይ መጉዓዝያ ትሕተ-ቅርጺ፡ ብፍላይ ውሁድ ውጥን ከተማን መጉዓዝያን (integrated land-use and transport planning)
  4. ውጥን ኣጠቓቕማ መሬት ከተማ (sustainable land-use planning)፤ ኣብ ሕቑፊ’ዚ ኣርእስቲ ንኣመቓርሓን ኣጠቓቕማን መሬት ከተማ ኣመልኪተ ክጽሕፍ ኢየ። ብተወሳኺ ምስ ምስፋሕ ኣገልግሎታትን ዕቤት ከተማን ተትሓሒዙ ዝመጽእ ጠለባት መሬት ንምፍታሕ ከም መፍትሒ ዝዝውተር ምግባት መሬት (land expropriation) ኣብ ትሕቲ’ዚ ኣርእስቲ ተጠሚሩ ክቐርብ’ዩ።
  5. ማሕበራዊ ፍትሒ ብመንጽር ውጥን ከተማ (The issue of social justice in urban planning)

ሰናይ ንባብ!

ርእይቶኹም ካብ ምጽሓፍ ኣይትቆጠቡ።

 

                                           ይቕጽል

 

@ፍትዊ ወልዳይ

 

እግረ-ጽሑፍ፡ ዕሙቕ ዝበለ መብርሂ ውጥን ከተማ ኣብዘን መላግቦ ኣለኩም 

[1] Huxley, M. & Inch, A. (2020)

[2] Wikipedia

[3] Encyclopedia Britannica

4 comments

  1. Mussie mehari milkias

    Betaimi dese zeble xuhufe fetiwe hawey betami abi temhrti zelwa koyana rekibya alku ,kem lebwa gina bemlkie mexihaf ent tekwen xbuke neru zeble alni,kalie behaki wall Don.

    • የቐንየለይ ሙሴ። ብመጽሓፍ ምቕራቡ ጽቡቕ ሓሳብ’ዩ። ብመጽሓፍ ዝቐረበ ትሕዝቶ ማዕረ ክንደይ ዘንብቦ ይረክብ ግን እንድዒ። ምናልባት በብቑሩብ ኣብዚ እናተዋህለለን ብርእይቶ እናሃብተመን ምስከደ፡ ነቲ ዝያዳ ጠቓሚ ብመልክዕ መጽሓፍ ኣመሓይሽካ ምውጽኡ ውን ይክኣል’ዩ። ንሕጂ ግን፡ ብሓጸርቲ ጽሑፋት ምጅማር ዝሓይሽ ኰይኑ ተሰሚዑኒ።

  2. ጽቡቕ ጽሑፍ። ነዚ ጽሑፍ ጽቡቕ ዝገብሮ፡ ኣድላይነት ናይ ሓደ ኣምር (ውጥን ከተማ) ኣብ ኩሉ መዳያዊ ምዕባለ ሕብረተሰብ ዝህልዎ ግደ ከረድእ ዝፍትን ብምዃኑ እዩ።

    እዚ ይኹን እምበር፡ እዚ ጽሑፍ ንኸም ሕብረተሰባት ኤርትራ ዝኣመሰሉ ገና ነቲ ከተማነት (urbanism) ርሑቕ ዘሎ ሕብረተሰብ፡ ቅድሚ እዚ ዝርዝራዊ ውጥን ከተማ ምፍላጡ ክፈልጦ ዘድልዮ፡ ብኣወራኡ ከተማነት እንታይ ማለት’ዩ፡ ናብ ከተማ ምልዋጥ (urbanization) ከ ከመይ ኢሉ እዩ ዝመጽእን ዝምዕብልን፡ ኣድላትይነት ናብ ከተማነት ምልዋጥን ካልእ ምስኡ ዝተሓሓዙ ኣምራትን ዝብሉ ‘መስሉኒ። ምኽንያቱ ኣብ ከም ኤርትራ ዝኣመሰላ ሃገራት ዝነብር ሕብረተሰብ፡ ገና ነቲ ናብ ከተማ ምልዋጥ (urbanization) ዝብል መስርሕ እውን ብስርዓት ዝፈልጦ ኣይኮነን። ከምኡ ስለዝኾነ ድማ፡ ኣብ ከተማ ይሃሉ ኣብ ገጠር ፍልልይ ኣይርድኦን። ኣይርድኦን ክብል እንከለኹ፡ ከቕርቦም ዘለኒ መራቲዒታት ከምዘለዉ እርዳእ’የ፡ ግን ንሕጂ ሓፈሻዊ ገይረ እዛረብ ስለዘለኹ ጥራይ እየ።

    እምበኣር፡ እዚ ጽሑፍ ነቲ ድሮ ኣብ ከተማውነት በጺሑ ዘሎ ሕብረተሰባት (ብዝያዳ ምዕራባዊ ዓለም)፡ ደኣ እምበር ነቲ ገና ኣብ ፍጹም ገጠርነት ዘሎ ሕብረተሰባት፡ ቁሩብ ይቕድሞ እዩ።

    ከምቲ ኣብ መእተዊ ናይዚ ዌብሳይት ተባሂሉ ዘሎ ድማ፡ ፍልጠት ወዲ 4-5 ዓመት ቆልዓ እውን ክርድኦ ብዝኽእል መስርዕን ኣገባብን ምስ ዝቐርብ እዩ፡ ኣድማዒ ዝኸውን እሞ፡ ዝያዳ መሰረታዊ ብዝኾነ ቅድም-ተኸተል እንተዝቐርብ፡ ኣጸቢቑ ኣድማዒ ምኾነ፡፡

    • ሃናጺ ርእይቶ፡ የቐንየለይ። ብልክዕ ከም ዝተገንዘብካዮ፡ እዛ ተጀሚራ ዘላ ተኸታታሊት ዓምዲ ብሞያዊ ዕምቆታ፡ ትርር ትብል ትኸውን ኢያ። እቲ ዕላማ ድማ፡ እቲ ዓውዲ ኣብዚ እዋን’ዚ በጺሑዎ ዘሎ ጽፍሒ ንምልላይ ኢዩ። እቲ በዛ ዓምዲ ክብጻሕ ዝድለ ጉጅለ (target audience)፡ ነባሪ ከተማን ሓውሲ ከተማን፣ ምስቲ ሞያ/ዓውዲ ብዝተፈላለየ መንገዲ ምትእስሳር ዘለዎም ተዋሳእቲ (agents)፡ ኣብ ውጥን ከተማ ዝነጥፉ ሞያውያን ወዘተ እዮም። መባእታዊ መረዳእታ ብዛዕባ ከተማነትን መስርሕ ምኽታምን ኣብ ናቱ ኣርእስቲ ክእንገድ ዝሓይሽ ይመስለኒ። ምናልባት፡ ኢድ ክሕውሱ ዝደልዩ ኣሓትን/አሕዋት እንተወሰድዎ ድማ ምመቀረ እብል።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *