Thursday , June 1 2023

ግድላትን ጸወታን

ኣብዚ ዓምዲ’ዚ፡ መምርሒታት ብጽሑፍ እናንበብካ ዝፍትሑ፡ ብጉጅለ ክንሳተፎም እንኽእል ግድላትን ጸወታታትን ክቐርቡ እዮም። ኣብ ርእሲ’ዘን ሕጂ ቀሪበን ዘለዋ ዝተፈላለየ ደራጃታት ብርታዐ ዘለወን ግድላት፡ ሰሙናዊ እንተውሓደ ሓንቲ ግድል ወይ ጸወታ እናተወሰኾ፡ ብቐጻሊ እናዓበየ ዝከይድ ማህደር ክኸውን’ዩ።

ብመደብ፡ መልሲ ናይዞም ግድላት ኣብዚ ኣይተዋህበን። ምናልባት ብዛዕባ ቅኑዕ መልሲ እንተድኣ ተጠራጢርኩም፡ ምስ መዛኑኹም ከም መበገሲ ዕላል ተጠቐሙለን።

*ዋንነት ትሕዝቶታት ፈለግ.ኮም  ሓባራዊ  (public) ኢዩ፣ ማለት ንኹሉ ክፉትን ነጻን’ዩ። ትሕዝቶታት ብጽሑፍ፣ ብድምጺን ዝኣመሰለን ምብዛሕ ምስ ዝድለ ግን ፍቓድ ምሕታትን ግቡእ ኣፍልጦ ምሃብን ይግባእ

ግድል ቁ.1

ሓደ ሰብኣይ ዕዳጋ ውዒሉ፡ ሓደ ነብሪ፣ ሓንቲ ጤልን ሓደ ማእዶ ሳዕርን ዓደገ። እጋ ምሸት ኮይኑ ንዓዱ እናተመልሰ ግን ሩባ ዓዶም ውሕጅ መሊኡ ጸንሖ። ውሕጅ ክዛርየሉ ብዓቕሊ እናተጸበየ፡ ኣማዕድዩ ኣብቲ ገምገም ሩባ ሓንቲ ሰብ ዘይብላ ንእሽቶይ መሳገሪት እትኸውን ጃልባ ረኣየ’ሞ በታ ጃልባ ክሰግር ወሰነ። እታ ጃልባ ግን ንእሽቶይ ብምዃና፡ ብሓንሳብ 2 ነገራት ጥራይ ኢያ ክትጸውር ትኽእል።

እቲ ሰብኣይ ነቲ ነብሪ፣ ነታ ጤልን ነቲ ሳዕርን ከስግሮም እንተደኣ ኴይኑ፡ ኣብ ሓደ እዋን ምስኡ ክሰቕሎ ዝኽእል ሓደ ካብ ሰለስቲኦም ጥራይ ኢዩ። ስለዚ እታ ጤል በቲ ነብሪ ከይተበልዐት፡ እቲ ሳዕሪ’ውን በታ ጤል ከይተበልዐ፡ ንሰለስቲኦም ብኸመይ ከስግሮም ይኽእል፧

ኣምመት (hint): እቲ ሰብኣይ ብዘይደረት ብዙሕ ግዜ ክመላለስ ይኽእል እዩ። 

 

ግድል ቁ.2

ኣብዛ ስእላዊት ግድል፡ ነዛ ምልክት ሕቶ እትመልእ ቁጽሪ እንታይ ኢያ፧

 

 

ግድል ቁ.3

ሓንቲ ናይ ፍሩታ መትሓዚት ካርቶን፡ ኩሉ ገጻታ ምስ ዘርጋሕናያ ነዛ ኣብ ታሕቲ እትርአ ስእሊ ትመስል። እታ ካርቶን ከይተፈንጥሐት ከላ፡ ካብዘን ብየማነ-ጸጋማ ተሰሪዐን ዘለዋ ኣሳእል ነየነይተን ትመስል ነይራ፧

 

 

 

 

 

 

 

ግድል ቁ.4

ሓደ ኣቦ ንወዱ “ንስኻ ኣብ ዝተወለድካሉ ግዜ፡ ዕድመይ ክንዲ’ዚ ሕጂ ንስኻ ዘለኻዮ ኢዩ ነይሩ” ይብሎ። ኣብዚ እዋን’ዚ እቲ ኣቦ ወዲ 38 ዓመት እንተደኣ ኴይኑ፡ ዕድመ ናይቲ ወዱ ክንደይ ኢዩ፧

 

ግድል ቁ. 5

ኣብዛ ስእላዊት ግድል፡ ነታ ምልክት ሕቶ እትመልእ ቁጽሪ እንታይ ኢያ፧

 

 

 

 

 

 

ግድል ቁ. 6

ኣብ ሓደ ናይ ስእሊ መምሃሪ ክፍሊ፡ 40 ተመሃሮ ይስእሉ ነበሩ። ካብዞም ቆልዑ ገሊኦም ብጻዕዳ ዝሕብሩ ርሳስ፡ ገሊኦም ብብጫ ዝሕብሩ ርሳስ ገሊኦም ከኣ ብክልቲኡ ሕብርታት ይስእሉ ነበሩ። 30 ካብዞም ተመሃሮ ጻዕዳ ዝሕብሩ ርሳስ ተጠቒሞም እንተደኣ ኢልና፡ እቶም ብክልቲኡ ሕብርታት ዝስእሉ ከኣ 20 እንተደኣ ኴይኖም፡ ክንደይ ካብዞም ተመሃሮ ኢዮም ብጫ ሕብሪ ዝተጠቕሙ፧

 

ግድል ቁ. 7

ኣብዛ ስእላዊት ግድል፡ ነዛ ምልክት ሕቶ እትመልእ ቁጽሪ እንታይ ኢያ፧

 

 

ግድል ቁ. 8

ኣብ ሓደ ናይ ስእሊ መምሃሪ ክፍሊ፡ 40 ተመሃሮ ይስእሉ ነበሩ። ካብዞም ቆልዑ ገሊኦም ብጻዕዳ ዝሕብሩ ርሳስ፡ ገሊኦም ብብጫ ዝሕብሩ ርሳስ ገሊኦም ከኣ ብክልቲኡ ሕብርታት ይስእሉ ነበሩ። 30 ካብዞም ተመሃሮ ጻዕዳ ዝሕብሩ ርሳስ ተጠቒሞም እንተደኣ ኢልና፡ እቶም ብክልቲኡ ሕብርታት ዝስእሉ ከኣ 20 እንተደኣ ኮይኖም፡ ክንደይ ካብዞም ተመሃሮ ኢዮም ብጫ ሕብሪ ዝተጠቕሙ፧

 

ግድል ቁ. 9

ክልተ ነጋዶ፡ ብሓባር ዝውንንዎ ሰለስተ ገረወኛታት ጠስሚ ክሸጡ ንዕዳጋ ይኸዱልኩም። እተን ገረወኛታት፤ ሓንቲ ናይ 3 ሊትሮ፣ ሓንቲ ናይ 5 ሊትሮ፣ እታ ሳልሰይቲ ከኣ ናይ 8 ሊትሮ ነበራ። ኣብቲ ዕዳጋ፡ ሰሊጥዎም 8 ሊትሮ ጠስሚ ይሸጡ። ኣጋ ዕራርቦ ምስኮነ ከኣ ነተን ዝተረፍኦም 8 ሊትሮ ማዕረ ተማቒሎም ነንገዝኦም ክኸዱ ተሰማምዑ።

ነዘን ዝተረፋ 8 ሊትሮ ጠስሚ፡ ከመይ ገይሮም በተን ዘለውኦም ሰለስተ ገረወኛታት ማዕረ ክማቐልወን ይኽእሉ፧ ብዘይካ’ዘን ሰለስተ ገረወኛታት መቐበሊ ይኹን መስፈሪ ኣይነበሮምን።

#felegg.com

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *