ሓደ ብመጓሰ ዝናበር ኣቦ፡ 17 ኣግማል ነበርኦ። ክሳብ እርጋን ዘሰንፎ ድማ ምስ 3 ደቁ ኰይኑ ይጓስየን ነበረ። ሓደ እዋን ሓሚሙ ስለዝተወጽዐ፡ ንደቁ ጸዊዑ ከምዚ ዝስዕብ ለበዋ ተላበዎም፤ እቲ ቦኽሪ ፍርቂ ካብተን ኣግማል ክወርስ፣ እቲ ማእከላይ ሓደ ሲሶ (1/3) ክወርስ፣ እቲ ዝነኣሰ ከኣ ታሽዓይ ኣፍ (1/9) ክወርስ።
ድሕሪ’ዛ ለበዋ፡ ኣቦኦም ነዊሕ ከይጸንሐ ይመውት። እቶም ሰለስተ ኣሕዋት፡ ነተን ኣግማል ከም ለበዋ ኣቦኦም ክማቐልወን ተኣከቡ። መጀመርያ እቲ ቦኽሪ ፍርቂ ናይተን 17 ኣግማል ክወስድ ፈተነ። እንተኾነ፡ ነተን ኣግማል ንኽልተ ማዕረ ቁጽሪ ክመቕለን ስለዘይክኣለ፡ ነቶም ኣሕዋቱ ብወገኖም ናቶም ምቕሊ ክወስዱ ሓተቶም። ንሶም’ውን ብወገኖም ፈተኑ።
ድሕሪ ብዙሕ ሓሳብን ፈተነን ከምዘይሰልጦም ደምደሙ። ምኽሪ ክሓቱ ድማ ብሓባር ናብ ሓንቲ ለባም ኣደ ከይዶም፡ ነቲ ምፍትሑ ዝጸገሞም ግድል ኣዘንተዉላ። እታ መስተውዓሊት ኣደ ብወገና፡ “ለበዋ ኣቦኹም ብዘይካኹም ክፈትሖ ዝኽእል የልቦን። እንተኾነ፡ ሓገዝ እንተኾነኩም ነዚ ሓደ ገመለይ ከለቅሓኩም፣ ምናልባት’ውን መፍትሒ ግድልኩም ንሱ ይእምተልኩም ይኸውን፣ ኣምላኽ ይሓግዝኩም” ኢላ ኣፋነወቶም። እቶም አሕዋት፡ ገና ዝቐደመ ግድል ከይፈትሑ እታ ለባም ሰበይቲ ሓድሽ ግድል ወሲኻ ስለዘፋነወቶም ኣይተሓጎሱን።
ነቲ ዝሃበቶም ገመል ምስተን 17 ኣግማሎም ሓወሱዎ። መፍትሒ ግድሎም ክረኽቡ ድማ ከም ብሓድሽ ፈተኑ። እቲ በዂሪ ነተን ኣግማል ብሓሳቡ ናብ ክልተ ማዕረ ክመቕለን ስለዘይተጸገመ፡ ተንሲኡ ፍርቂ (9) ካብ’ተን ኣግማል ወሰደ። እቲ ካልኣይ ብወገኑ፡ ከም ለበዋ ኣቡኡ እተን ብጽሒቱ ሓደ ሲሶ (6) ወሰደ፣ እቲ ሳልሳዮም ድማ ታሽዓይ ኣፍ (2) ወሰደ። ናይ ነብሲ-ወከፎም ውርሻ ምስ ደመርዎ (9+6+2=17) 17 ኣግማል ኮነ። እቶም ኣሕዋት መብጽዓ ኣቦኦም ስለዝፈጸሙ ፈኾሶም፣ ኣዝዮም ከኣ ተሓጎሱ። ድሕሪ’ዚ፡ ብሓባር ናብታ ለባም ሰበይቲ ተመሊሶም፣ ንልቦንኣ ንኢዶምን ኣመስጊኖምን፡ ነቲ ዘለቅሓቶም ገመል መለሱላ።