እዛ ሕጂ ክጽሕፈላ ኣልዒለያ ዘለኹ ኣርእስቲ፡ ከም በለስ ብኸመይ ከም ዝሕዛ ሓርቢቱኒ፡ ቃላት ክጽሕፍን ክድምስስን እየ ጸኒሐ። እስከ ከም መእተዊ እንተቐደወኒ ብሕቶ ክጅምር፤
- ፖለቲካውያን ትካላት ወይ ውድባት ንምንታይ ፍልስፍናዊ መርሓ የድልየን፧ ምኽንያት ህላውአን ብዕላምአን ክግለጽ እንተድኣ ትኻኢሉ፡ ንዕላምአን ኣብ ሸቶኡ ዘብጽሓሉ መንገዲ ከኣ ብስትራተጂ ከቐምጥኦ እንተኽኢለን እኹል ዶ ኣይኮነን፧
ናይዘን ክልተ ጽምዲ ሕቶታት ከፊላዊ መልሲ፡ ብኸምዚ ዝስዕብ ዝግለጽ ይመስለኒ። ኩሉ ተግባር ብሓሳብ ኢዩ ዝፍልም። ሓሳብ ንመረዳእታ ይመርሕ፣ መረዳእታ ብወገኑ ንተግባር ይመርሕ። ንኣብነት፡ ዕላማታት ወይ ሸቶታት ክሳብ ዝብጽሑ ሓሳባት ኢዮም። ሓሳባት ብግቡእ ምስዝውደኑ፡ ብስነሞጎት ስጡማት መረዳእታታት የቑሙ፣ መረዳእታታት ድማ ኣብ ሸቶና ከብጽሑና ዝኽእሉ ተግባራት ብምትእምማን ከምነተግብር ይገብር። ትካላት ወይ ውድባት፡ ብፍላይ ከም ገድሊ ኤርትራ ዝኣመሰለ ሃንዳሲ ፖለቲካዊ ወፈራ፡ እቲ ዝኽፈሎ ዋጋን ኣብ ህሉውን መጻእን ወለዶታትን ዘስዕቦ መቐይሮታት ዓቢ ስለዝኾነ፡ እቲ ዝውሰድ መንገዲ ቅኑዕን ኣብ ሸቶ ዘብጽሕን ምዃኑ፡ ዘየወላውል ናይ ሓሳብ ንጻረ ክህሉ ግድን ይኸውን።
ብዛዕባቲ ዘይተበጽሐ ሸቶ፡ ከምኡ ‘ውን ብዛዕባ ዓስቡን ሳዕቤናቱን ዝህልወና ናይ ሓሳብ ንጻረ ብኸመይ ንበጽሖ ኣዝዩ ኣገዳሲ ኴይኑ ይስምዓኒ። እቲ ምኽንያት ከኣ፡ ነቲ ናብ ሸቶ ዝመርሕ ጉዕዞ ብመረዳእታ ንኽንጉዓዞን ኣብ ሸቶ ምስበጻሕና ድማ ብግቡእ ከነምሓድሮን ስለዘኽእለና። ኣብዚ ከኣ እዩ ኣገዳስነት ፍልስፍናዊ መርሓ ዝመጽእ፣ ናይ’ቲ ክንበጽሖ እንሕልኖ ግና ገና ዘይበጻሕናዮ ሸቶ ንጹር ራእይ ምእንቲ ክህልወና።
ንምዝማድ ምእንቲ ክጥዕም ካብ ሕመረት ዛዕባና ቁሩብ ከላግሰኩም፤ ሰብ ጥርኑፍ ስርዓት ኣምልኾ ከዘውትር ምስጀመረ፡ ንእምነቱ ብዝተማእከለ ዘምሓድሩሉ ኣገልገልቲ ብምምዛዝ መለኮታዊ ትሕዝቶ እምነት ኣሻማዊ/ተገራጫዊ ትርጉም ንኸይሕዝ ይከላኸል። ክሳብ’ዚ እዋን’ዚ ውን እንተኾነ፡ ብኸምኡ ኢዩ ዝኸይድ (እንተውሓደ ኣብዘን ኣብርሃማዊ መበቆል ዘለወን ሃይማኖታት)። ቅዱሳን መጻሕፍቲ ፍጹማን ስለዝኾኑ ሓደ ኣድማሳዊ ኣተረጓጉማ ክህልዎም’ዩ ዝድለ። ስለዝኾነ ከኣ ብዝተረቚሑ/ብዝተቐብኡ ሰብ ሞያ፡ ብዝተማእከለ መንገዲ ይትርጎም። እዘን ሰፊሕ ዝርግሐ ዘለወን ሃይማኖንታት፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ሕብረተሰባትን ባህልታትን ዝህልዉ ደቀቕትን ፍሩያትን ፍሉይነታት ኣየተኣናግዳን። ሕብረተሰባት ድኣ እየን ነቲ እምነት ዝመስላ እምበር እምነትሲ ብሰንኪ/ብሳላ ፍጹምነቱ ኣይተዓጻጸፍን’ዩ።
በንጻር’ዚ ምስ እምነት ኣተሓሒዘ ዝጠቐስኩዎ፡ ኣብ ማሕበራዊ ፍልጠት እንተ መጺእና፡ ትሕዝቶ ናይ ሓደ መጽሓፍ (ፍልስፍና) ናብ ፍልጠት ንኽጥረግ ብመንጽር ባህልን ሓፈሻዊ ማሕበረ-ቁጠባዊ ኩነትን ናይቲ ተቐባሊ ሕብረተሰብ ክቃነ ኣለዎ። ፍልጠት ብኸምዚ ምስዝስረት (grounded/contextualized ምስዝኸውን) ኣብ ሕብረተሰብ ብቐሊሉ ይዘሩቕ፣ ናይ ኣተሓሳስባን መነባብሮን መቐይሮ ድማ የምጽእ። ምስ ኣብ ባይታ ዘሎ ክውንነታት ዝጠዓዓም ስነሓሳብ፡ ብመረዳእታን ብዋንነትን ስለዝስዓብ ኣይጓነን፣ ንሕብረተሰብ ከም ዕሸል ‘ሀ’ ኢሉ ካብ ባይታ ንኽብገስ ኣየገድዶን። ኣብ ዝባን’ቲ ዝነበረ እናሃነጸ፡ ሃጓፋት ይመልእን ንሕብረተሰብ ንቕድሚት የሰጉምን። ከምዚ ዓይነት ፍልጠት፡ ከተትኣታትዎ ይኹን ንውጽኢቱ ከተምሓድር ኣየጸግምን። ብተጻይ ናይዚ እንተርኢና፡ እቲ ከም መማእዘኒ ሓሳባትና እንጥቀመሉ ፍልስፍናታት፡ ኣብ ባይታ ምስዘሎ ክውንነታት ዘይቃዶ/ዝጓነ እንተዄይኑ፡ ብግቡእ ኣይስርትን ጥራይ ዘይኮነ፡ ንብሙሉኡ ሕብረተሰብ ናብ ዕሸል’ዩ ዝቕይሮ። ነቲ ዝነበረን ሕብረተሰብ ዝመልኮን መወከሲታት ብቕጽበት ስለዝድምስሶ፡እቲ ሕብረተሰብ ነቲ ሓድሽ ስርዓት ተለማሚዱ ክሳብ ዝላበሶ (ዓሰርተታት ዓመታት ዝወስድ መስርሕ)፡ ኩሉ ግዜ ኣብ ድንግርግር ዝነብር ተጎታቲ ኢዩ ዝገብሮ። እዚ ዝፈጥሮ ሕንፍሽፍሽ፡ ነቶም ሃንደስቲ ለውጢ ዘይተኣደነ ስልጣን ይህቦም። እቲ ሓሳብ ብመረዳእታ ዘይኮነ ብጎነጽ ከምዝመሓደር ይገብር፣ ከም ሳዕቤኑ ድማ ንሃይማኖታዊ ኣምልኾ ዝቐርብ ዶግማዊ ኣረኣእያታት ይምልምል። ኣብነታትን ሳዕቤናትን ናይ ዘቤታዊ ሰረት ዘየንጸፉ ስነሓሳባት (ዲሞክራስያዊ ይኹን ዴሳዊ)፡ ነዊሕ ከይከድና ኣብ ቤትናን ጎረባብትናን ብቐጻሊ እንዕዘቦ ኢዩ።
ነዘን ልዕል ኢለ ዘቐመጥኩወን ሕጡበ ጽሑፍት ከም መንጠሪ ባይታ ተጠቒመ፡ ሰውራ ኤርትራ ከም መወከሲ ዝተጠቕመሉን ዝረዓሞን ሰውራዊ ስነሓሳብ (ማርክሳዊ ስነሓሳብ)፡ ብመንጽር ‘ዝሰረተ/grounded’ ፍልጠት ክንግምግሞ ንፈትን።
መቃልዒ/disclaimer፡ ኣብዚ ቀሪቡ ዘሎ ጽሑፍ ውልቃዊ ግንዛበ ኢዩ። ከም ገምጋም ሰረተ-ሓሳብ ማርክሳዊ ፍልስፍና ጌርካ ክውሰድ የብሉን፣ ሓቂ ይሓይሽ ልዕሊ ዓቕመይ ኢዩ ‘ውን። ንሓደ ንእሽቶይ ክፋሉ ብመንጽር ኤርትራዊ ተመኲሮ ንምርኣዩ ዝሓለነ ጥራይ’ዩ። ኣብ ገሊኡ፡ ንኢ.ሰ.ፓ ወይ ንጀማሂር ዘዘኻኽር ኣዋቕራ ቃላት ጎፍ እንተ’ይልኩም፡ ግዳይ ናይዚ ተላዒሉ ዘሎ ኣርእስቲ ከምዝዀንኩም ተረዲእኩም ተጸመሙኒ 😉
ንኺድ በሉ፤
ቀንዲ መሰረት ናይ ዴሳዊ ስነሓሳብ፡ ማርክሳዊ ስነሓሳብ ከም ምዃኑ መጠን፡ ንቑሩብ ኣብ ዙርያ ማርክሳዊ ስነሓሳብ ክንዝንቢ ኢና። ከም መእተዊ፡ ሰውራ ዝብል ኣምር ብምግላጽ ክፍልም፤ ሰውራ ማለት፡ ንዝነበረ ምሒኻ ምእላይን ኣብ ቦትኡ ሓድሽ ስርዓት ምትካልን የመልክት (“a forcible overthrow of a government or social order, in favour of a new system – www.Lexico.com”)። ሓሳብኩም ኣይተጥፍኡ፡ እዛ ሰውራ እትብል፡ ጽንሕ ኢልና ክንምለሳ ኢና። ንሕጂ ግን ኣብ ማርክሳዊ ስነሓሳብ ክመልሰኩም።
ማርክሳዊ ስነሓሳብ፡ ንሕብረተሰብ ብመልክዕ ደርብታት ይርእዮ፤ እቲ ጸጋታት ዝውንን ዘምሓድርን ብርዥዋ[1] በቲ ሓደ፡ እቲ ናይ ብዙሓን (ሸቃሎ) ደርቢ ከኣ በቲ ካልእ። እዞም ደርብታት፡ ንዋንነት ጸጋታትን ኣመሓድርኦምን ብዝምልከት፡ ተጻረርቲ ሸቶታት/ዕላማታት ኣለዉዎም ኢሉ ይኣምን። ረብሓ ናይ ብርዥዋ፡ ፖለቲካውን ቁጠባውን ረብሓታት ሸቃሎ ብምቑርማም ኢዩ ዝረጋገጽ ኢሉ ስለድዝድምድም፡ እቲ ናይ ሸቃሎ ደርቢ፡ “ኣብ መወዳእታ ፍትሓዊ ቃልሲ ኣልዒሉ፡ ዋንነት ጸጋታት የረጋግጽን የመቓርሕን” ዝብል ሳዕቤን፡ ዘይተርፍ መዓልቦ ናይዚ ፖለቲካውን ቁጠባውን ስርርዕ ገይሩ የቐምጦ።
ኣብዚ፡ ካብ’ቲ ‘ቅኑዕን ጌጋን’ ዝብል ኣልማማዊ ፍርዲ ወጺእና ብርትዓዊ ዓይኒ እንተርኢናዮ፡ ማርክሳዊ ኣረኣእያ ነቲ ንኢንዱስትሪያዊ ሰውራ ተኸቲሉ ኣብ ኤውሮጳን ኣሜሪካን ንዝተራእየ ማሕበረ-ቁጠባዊ ለውጥታት እዩ ዝያዳ ዘንጸባርቕ። ወነንቲ ርእሰ-ማል፡ ወነንቲ ኣፍረይቲ ትካላት ምስ ምዃኖም ተተሓሒዙ ክልተ ሓደስቲ ደርብታት ኣምጺኡ፤ ብርዥዋን ሸቃላይን። ብኣረኣእያ ማርክስ፡ እቶም ወነንቲ ርእሰማል/ፋብሪካታት ነቶም ሸቃሎ ርትዓዊ ዓስቦም ኣይከፍሉዎምን፣ ብዋጋ ሸቃሎ ዝያዳ ርእሰማል የኻዕብቱ። ብሓጺሩ ድሕሪ ኢንዱስትሪያዊ ሰውራ ዝስዓበ ርእሰማላዊ ስርርዕ (capitalist economic order/structure) ንሰብ ርእሰማል ዘርብሕ፡ ንሸቃሎ ግን ዝምዝምዝ ዘይምዕሩይ ስርዓት ገይሩ ይቐርጾ። እዚ ከኣ’ዩ፡ ማርክሳዊ ግንዛበ ነቲ ኣብቲ እዋን ዝነበረ ታሪኻዊ ሓቅታት ብግቡእ ዘንጸባርቕ ኴይኑ ይስምዓኒ ዘበልኒ። እዚ ምዕባለ/ኩነት’ዚ ካብቲ ዝተኸስተሉ እዋንን ሕብረተሰብን ቦጥቊልና እንተውጺእናዮ ምሉእን ርትዓውን ስእሊ ኣይህብን።
ናይ’ቲ እዋን’ቲ ማሕበረቁጠባዊ ኣቃውማ እንተተዓዚብና፡ እቲ ፖለቲካዊ ስርዓትን ኣዋቕርኡን ነዚ ቁጠባዊ ስርርዕ ብዘቐጽልን ዘውሕስን መንገዲ ዝተቐለስ ኢዩ ነይሩ፣ ብመሰረቱ፡ ቀንዲ ተዋሳእቱን ኣመሓደርቱን ካብቶም ኣብ ላዕለዋይ ቁጠባውን ማሕበራውን ጽላታት ማሕበረሰብ ስለዝኾኑ። ከም ውጽኢቱ፡ ኣብ 2ይ መፋርቕ መበል 19 ክ/ዝ እንተተዓዚብና እዚ ኩነንታት’ዚ ማለት ደርባዊ መልክዕ ዝሓዘ ማሕበራውን ቁጠባውን ወጽዓታት ግሁድ’ዩ ነይሩ። ናይቲ እዋን’ቲ ወጽዓታትን ካልኦት ክዉንነታትን ዕሙር ባይታ ስለዝሃቡ፡ ማርክሳዊን ንኣኡ ዝመስሉ ብዛዕባ ማሕበራዊ ፍትሒ ዝግደሱ ፍልስፍናታትን ኣብ ቀዳማይ ክፋል መበል 20 ክ/ዘ እናሰወዱ መጺኦም። ምስ ምምጻእ ቦልሾቪክ፡ ድሒሩ ድማ ምስ ምምስራትን ምሕያልን ሕብረት ሶቭየት፡ ቅርጺ መንግስቲ ሒዙ ዝያዳ ሓይሉ።
ምስ ምውዳእ ኮሎንያሊዝም፡ ብዙሓት ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ዝነበራን ፈለማየን ናጽነተን ዝዓተራን ሃገራት፡ ኣብ ዓለማዊ መድረኽ ምስተጸንበራ፡ እቲ ኣብ ዕዳጋ ዝጸንሐን ተራጻሚ ማሕበረ-ቁጠባዊ ስነሓሳባት እምብኣር ዴሳውን ርእሰማላውን ዝብል ኢዩ ነይሩ። ናይቲ እዋን’ቲ ማሕበረ-ቁጠባዊ ኩነተ-ህላወ ናይዘን ሃገራት ኣብ ግምት አእቲኻ ድማ ካብቲ ኣብ ዕዳጋ ዝነበረ ፍልስፍናታት እቲ ንወድዓዊ ኩነታተን ዝያዳ ዝመስሎ፡ ማርክሳዊ ስነሓሳብ ዝመሰረቱ ኢዩ ነይሩ። ናይ ኤርትራ ተመኩሮ ‘ውን ብመንጽር’ዚ ዝርአ ይመስለኒ።
ነዚ ሓርፋፍን ሓጺርን ግንዛበ ማርክሳዊ ስነሓሳብ በዘን ዝስዕባ ክልተ ነጥብታት ክጥርንፈን’የ። ነዘን ነጥብታት ከም መበገሲ ገይረ፡ ንሓድግታት ሰውራዊ መወከሲታትና ብዝምልከት ነቐፌታዊ ርእይቶይ ከቐምጥ’የ። ጽሑፈይ ኣጽብብ ኣቢለ ብዝከኣል ኣብ’ቲ ፍርዝን ዝበለ ጥራይ ክሓጽሮ ክፍትን’የ።
- ማርክሳዊ ስነሓሳብ ንማሕበረሰብ ብመንጽር ደርብታት ይርእዮ። እቶም ደርብታት፡ ንጹር ደረት ዘለዎምን ኣብ ተጻያዊ ምጥምማት ከምዝነብሩን ይእምት፣
- ናይ ጸጋታት ርትዓዊ ምምቕራሕ ንምውሓስ ደርባዊ ቃልሲ ይትንበ። ኣብ ቁጠባዊ ጥርዚ ዘሎ ደርቢ፡ ብወለንታ ቁጠባዊ ረብሓን ፖለቲካዊ ስልጣንን ክማቐል/ከረክብ ፍቓደኛ ስለዘይከውን፡ ማዕረ መሰል ንምርግጋጽ፡ ብመልክዕ ሰውራ ሓይሊ ምጥቃም ከም ቅቡልን ርትዓውን መስርሕ ለውጢ ይውሰዶ።
ክሳብ ሕጂ ንድሕረባይታ ዝኸውን ኢና ከነንጽፍ ጸኒሕና፣ ሕጂ ናብ ቁምነገርና፤
“ኣብ 2ይ መፋርቕ 20 ክ/ዘ ኣብ ኤርትራ ዝነበረ ፖለቲካውን ቁጠባውን ኩነታት ነዘን ክልተ ነጥብታት ዝዕድም ዶ ነይሩ፧” ዝብል ሕቶ ንምምላስ፡ ነዘን ዝስዕባ ሕቶታት ነስተብህለለን፤
- ኣብ ኤርትራዊ ሕብረተሰብ፡ ንደርባዊ ረጽሚ ከምሓድር ዝቖመ ስነሓሳብ ንኤርትራዊ ባይታ ይበቕዖ ዶ፧
- እቶም ብሰውራ ቦርቊቑካ ክንቀሉ ዝድለዩ ማሕበረ-ቀጠባዊ ትካላት ኣየኖት እዮም፧
ንሓደ ብሕርሻን መጓሰን ዝመሓደር ህዝቢ እቲ ቀንዲ ንዋት ማእቶት፡ መሬት ኢዩ። መሬት ዝውንን ሓረስታይ ምስ ኩሉ ወዲ ዓዲ ዘመዛዝኖ ክብረትን (dignity) ውሕስነት ናብራን (tenure security) ኣለዎ ማለት’ዩ። ቅድሚ ምምጻእ ጣልያን ሱር ዝሰደደ ፊውዳላዊ ስርዓት ኣይነበረን፣ ወላኳ ዋንነት መሬት ብዝተፈላለየ ኣሽማት ድኣ ይጸዋዕ እምበር፡ ዋንነት መሬት ብዓቢኡ ኣብ ኢድ ዓዲ ኢዩ ነይሩ። ኣብቲ ብመጓሰ ዝናበር ክፋል ሕብረተሰብ ኤርትራ ድማ ካብኡ ብዘይሰንፍ፡ ዘየጓኒ/ዘየግልል መሰል ተጠቃምነት መሬት ኢዩ ነይሩ። ጣልያን ኣብ ኤርትራ ከም ገዛኢ ምስሰረተ፡ ማሕበራዊን ፖለቲካዊን ሸቶታት ንምህራም ዝዓለመ ምድያስ መሬት፡ ንኮማዊ ዋንነት መሬት ርእሱ ዝኸኣለ ሓድሽ ሓይሊ ሂቡዎ (Royal Decree 7th February 1926)።
እቲ ወድዓዊ ማሕበራዊ ኣቃውማ ናይ ቅድሚ ገድሊ ከምዚ እንተድኣ ኰይኑ፡ ሓደ ንሕብረተሰብ ብመንጽር ደርባዊ ጽላታት ዝርኢ ማሕበራዊ ፍልስፍና፡ ኣብ ሓደ ምዕሩይ ዝርግሐ ዋንነት ናውቲ ማእቶት ዘለዎ ሕብረተሰብ ባይታ ክህልዎ ኣይክእልን። መንጻሩ እኳ ድኣ፡ ነቲ ማርክስ ርትዓዊ ወይ ፍትሓዊ ዝብሎ ሕብረተሰባዊ ምድልዳላት ብገለ ሸነኻቱ ነማልኦ ከምዝነበረና ኢዩ ዝእምት። እቲ ዝያዳ ሃሳዩ ጎድኒ ማርክሳዊ ስነሓሳብ፡ ጎነጻዊ ሓይሊ ከም ቅቡል ፖለቲካዊ መሳርሒ ዝኹስኩስ ምዃኑ ኢዩ። ሰውራ ንሓደ ዝጸንሐ ካብ ሱሩ ምሒኻ፡ መተካእትኡ ካልእ ሓድሽ ስርዓት ምትካል ከምዘመልክት ኣቐዲመ ጠቒሰ ነይረ። ኣብ ሰውራ ኣመጻጽኣ ለውጢ ማዕረ እቲ ዝትከል ስርዓት ኣገዳስነት ኣለዎ። ሓይሊ ከም ቅቡል መሳርሒ ፖለቲካዊ ለውጢ ስለዝውሰድ፡ ምምጻእ ለውጢ ጥራይ ዘይኮነ ድሕሪ ለውጢ ዝትከል ስርዓት ውን ከም ቀንዲ መሳርሒኡ ገይሩ’ዩ ዝዕቅቦ። እቲ ቀንዲ ሱር ምልኪ ድማ ኣብዚ ዝዝራእ ይመስለኒ። ጎነጽ ከም ቀንዲ መፍትሒ ፍልልያት ይልመድ፣ ብጎነጽ ዝመጸ ለውጢ ብጎነጽ ይሕሎ። ነቶም ንዴሳዊ (ማርክሳዊ) ማሕበራዊ ስነሓሳብ ከም መምርሒኦም ዝተቐበሉዎ፡ ልክዕ ከምዚ ‘ንብዓል ማርቴሎ፡ ኩሉ ምስማር ኰይኑ ይርኣዮ’ ዝብሃል፡ ነቲ ዝጸንሐ ብዓይኒ ድሑርን ክቕየር ዝግብኦን ልምድታት ጌርካ ምርኣይን፡ ኣብ ክንድኡ ዘይተኸለሰ ናይ ዕዳጋ ስነሓሳባት ንኽሰርጽ ምስግዳድን ይልመድ።
ንሎሚ ኣብዚ ይእከለኒ።
ኣብዛ ሓጻር ጽሕፍቲ፡ ነቀፌታዊ ጦብላሕታ እየ ከቐምት ፈቲነ ዘለኹ፣ እዚ ውን ኣዝዩ ብዝተወሰነ መልክዑ። ተሞክሮ ዴሳዊ ስነሓሳብ ኣብ ኤርትራ፡ ከም ኩሉ ተመኩሮታት ኣወንታን ኣሉታን ክእልዎ ባህርያዊ’ዩ። ስለዚ፡ ካልኦት ጽሓፍቲ ብርዐይ ክቕበሉኒ ተስፋ እገብር።
ምስ’ዚ ጽሑፍ ዝመሳሰል ትሕዝቶ ዘለዎም ጽሑፋት፤
ፍትዊ ወልዳይ
[1] ብርዥዋ ዝብል ቃል መግለጺ ማሕበራዊ ደርቢ ኰይኑ፡ ብዝያዳ ምስ ምምጻእ ኢንዱስትሪያዊ ሰውራ ኢዩ ተወዓዊዑ። እብዚ ማሕበራዊ ደርቢ ዝምደቡ፡ ወነንቲ ርእሰማልን ኣፍረይቲ ናውቲ ማእቶትን እዮም። ኣብ ማሕበራዊ መዳይ ድማ፡ ንነብሶም ብማሕበራዊ ውርጽጽናን ምርቓቕን (affluence and great cultural capital) ይገልጹ ። በዚ ድማ ካብቲ ናይ ሰራሕተኛ ደርቢ ይፍለዩ።