Saturday , September 23 2023

Latest

ሓድግታት፡ ዘቤታዊ ሰረት ዘየንጸፉ ዶግማታትን ፍልስፍናታትን

እዛ ሕጂ ክጽሕፈላ ኣልዒለያ ዘለኹ ኣርእስቲ፡ ከም በለስ ብኸመይ ከም ዝሕዛ ሓርቢቱኒ፡ ቃላት ክጽሕፍን ክድምስስን እየ ጸኒሐ። እስከ ከም መእተዊ እንተቐደወኒ ብሕቶ ክጅምር፤ ፖለቲካውያን ትካላት ወይ ውድባት ንምንታይ ፍልስፍናዊ መርሓ የድልየን፧ ምኽንያት ህላውአን ብዕላምአን ክግለጽ እንተድኣ ትኻኢሉ፡ ንዕላምአን ኣብ ሸቶኡ ዘብጽሓሉ መንገዲ ከኣ ብስትራተጂ ከቐምጥኦ እንተኽኢለን እኹል ዶ ኣይኮነን፧ ናይዘን ክልተ …

Read More »

ቁ.2. ውጥን ከተማን ሲቪካዊ ንቕሓትን

ኣብ ዝተፈላለየ እዋን፡ ውጥን ከተማ፡ ኣድለይቲ ዝብሃሉ ማሕበራዊ ለውጥታት ንምትእትታዉ፡ ከም ሓደ ኣገዳሲ መሳርሒ የገልግል’ዩ። ነዊሕ ከይከድና፡ ኣብ መበል 20 ክ/ዘ ዝነበሩ ክልተ ኣብነታት ክጠቅስ። እቲ ሓደ፡ ኣብ መፈለምታ መበል 20 ክ/ዘ ልዑል ተቐባልነት ዘጥረየ the neighborhood unit ተባሂሉ ዝፍለጥ፡ ክላረንስ ፔርይ ብዝተባህለ ኣሜሪካዊ ናይ ውጥን ከተማን ናይ ስነ-ሕብረተሰብን ምሁር …

Read More »

ተልእኾ ፈለግ

“ንፍልጠትካ ንቈልዓ ከተርድኦ እንተዘይክኢልካ፡ እቲ እትፈልጦ ዝመስለካ ፍልጠት ኣይመለኽካዮን” ዝብሃል ብሂል ኣሎ። ብወገን ኤርትራውያ ሰብ ሞያን ምሁራትን ድማ፡ ነቲ ንፈልጦ ንቈልዓ ጥራይ ዘይኮነስ ንዓበይቲ ውን ክንገልጾ ኣይክኣልናን፣ ሞያና እንገልጸሉ ካብቲ ባህልና እንገልጸሉ ቋንቋ ስለዝተፈላለየ። ከም ኣባላት ሓደ ሕብረተሰብ መጠን፡ እቲ ዝተምሃርናዮ ኣብ ሕብረተሰብና ክዘሩቕን ኣብ ኣተሓሳስባን መነባብሮን መቐይሮ ከምጽእን እንተዘይክኢሉ፡ …

Read More »

ግድላትን ጸወታን

ኣብዚ ዓምዲ’ዚ፡ መምርሒታት ብጽሑፍ እናንበብካ ዝፍትሑ፡ ብጉጅለ ክንሳተፎም እንኽእል ግድላትን ጸወታታትን ክቐርቡ እዮም። ኣብ ርእሲ’ዘን ሕጂ ቀሪበን ዘለዋ ዝተፈላለየ ደራጃታት ብርታዐ ዘለወን ግድላት፡ ሰሙናዊ እንተውሓደ ሓንቲ ግድል ወይ ጸወታ እናተወሰኾ፡ ብቐጻሊ እናዓበየ ዝከይድ ማህደር ክኸውን’ዩ። ብመደብ፡ መልሲ ናይዞም ግድላት ኣብዚ ኣይተዋህበን። ምናልባት ብዛዕባ ቅኑዕ መልሲ እንተድኣ ተጠራጢርኩም፡ ምስ መዛኑኹም ከም …

Read More »

ወነንቲ ኣተሓሳስባና… ወነንቲ መጻኢና!

ነዛ ሓጻር ጽሕፍቲ ሰብነት ምእንቲ ከልብሳ፡ ንድሕሪት ምልስ ኢለ ብናይ ቁልዕነት ተዘክሮታተይ ክፍልም’የ። ኣነ ኣብ ከረን’የ ዓብየ፣ ልሳነይ ከም ተውለ ቋንቋታት ትግርኛ ብሌንን ትግረን እናበራረየ። ኣብ’ቲ ሽዑ እዋን፡ ሃይማኖት ካብ ሽም ዝደምቕ መለለዪ ኣይነበረን፣ ካብ ባህልን ቋንቋን ዝድልድል መለለዪ ኣይነበረን። ንቋንቋታትን ባህልታትን ከረን ብናይ ሓባር ዋንነት ኢና ንለብሶ ዝነበርና። እቲ …

Read More »

ዲሞክራሲ ከም ሽንፋእ

ኣብ ዕላላትናን ገለ ጽሑፋትናን፡ ብዛዕባ ዲሞክራሲ ዝብሃል ክርኢ ከለኹ፡ ንሽንፋእ የዘኻኽረኒ። ኣዴታትና ንሽንፋእ ንብዙሕ ኢየን ዝጥቀማላ፥ ከም መቕደዊ፣ መድሃኒት፣ መባረሪ እኩይ መንፈስ፣ ወዘተ። ዲሞክራሲ ከኣ፡ ከም ተኣምራዊ ማሕበራዊ ክኒና፡ ናይ ተጠቃሚ መሐበሪ ብዘየገድስ፡ ምስወሓጥካያ ኩሉ ጸገምካ ቅንጥጥ ዝብለልካ ኮይኑ ይስምዓካ። ምናልባት ጌጋ መልእኽቲ ምእንቲ ከየመሓላልፍ፡ ብዋዛ መጀመሪየይ ኣብ ሓደ ቁንጫል …

Read More »