እዛ ሕጂ ክጽሕፈላ ኣልዒለያ ዘለኹ ኣርእስቲ፡ ከም በለስ ብኸመይ ከም ዝሕዛ ሓርቢቱኒ፡ ቃላት ክጽሕፍን ክድምስስን እየ ጸኒሐ። እስከ ከም መእተዊ እንተቐደወኒ ብሕቶ ክጅምር፤ ፖለቲካውያን ትካላት ወይ ውድባት ንምንታይ ፍልስፍናዊ መርሓ የድልየን፧ ምኽንያት ህላውአን ብዕላምአን ክግለጽ እንተድኣ ትኻኢሉ፡ ንዕላምአን ኣብ ሸቶኡ ዘብጽሓሉ መንገዲ ከኣ ብስትራተጂ ከቐምጥኦ እንተኽኢለን እኹል ዶ ኣይኮነን፧ ናይዘን ክልተ …
Read More »ወነንቲ ኣተሓሳስባና… ወነንቲ መጻኢና!
ነዛ ሓጻር ጽሕፍቲ ሰብነት ምእንቲ ከልብሳ፡ ንድሕሪት ምልስ ኢለ ብናይ ቁልዕነት ተዘክሮታተይ ክፍልም’የ። ኣነ ኣብ ከረን’የ ዓብየ፣ ልሳነይ ከም ተውለ ቋንቋታት ትግርኛ ብሌንን ትግረን እናበራረየ። ኣብ’ቲ ሽዑ እዋን፡ ሃይማኖት ካብ ሽም ዝደምቕ መለለዪ ኣይነበረን፣ ካብ ባህልን ቋንቋን ዝድልድል መለለዪ ኣይነበረን። ንቋንቋታትን ባህልታትን ከረን ብናይ ሓባር ዋንነት ኢና ንለብሶ ዝነበርና። እቲ …
Read More »ዲሞክራሲ ከም ሽንፋእ
ኣብ ዕላላትናን ገለ ጽሑፋትናን፡ ብዛዕባ ዲሞክራሲ ዝብሃል ክርኢ ከለኹ፡ ንሽንፋእ የዘኻኽረኒ። ኣዴታትና ንሽንፋእ ንብዙሕ ኢየን ዝጥቀማላ፥ ከም መቕደዊ፣ መድሃኒት፣ መባረሪ እኩይ መንፈስ፣ ወዘተ። ዲሞክራሲ ከኣ፡ ከም ተኣምራዊ ማሕበራዊ ክኒና፡ ናይ ተጠቃሚ መሐበሪ ብዘየገድስ፡ ምስወሓጥካያ ኩሉ ጸገምካ ቅንጥጥ ዝብለልካ ኮይኑ ይስምዓካ። ምናልባት ጌጋ መልእኽቲ ምእንቲ ከየመሓላልፍ፡ ብዋዛ መጀመሪየይ ኣብ ሓደ ቁንጫል …
Read More »ብድሆታት መነባብሮን ማሕለኻ ኣእምሮን
ኣብ ኤርትራ፡ ናይ ‘ወዲ ከተማ’ ታሪኽ፡ እንተኾነ ካብ 80 ዓመታት ኣይነውሕን ኢዩ። ‘ወዲ ከተማ’ ክብል ከለኹ፡ ብማሕበረ-ቁጠባዊ መለክዒታት ካብ ናይ ገጠር ፍልይ ዝበለ መነባብሮ ዝነብር (ንኣብነት፡ ንቁጠባ ብዝምልከት ኣብ ማሕረስን መጓሰን ዘይምርኮስ) ማለተይ’የ። ካብተን ሰማንያ ዓመታት ውን፡ ኤርትራውያን ዋናታት ከተማታቶም ምስኮኑ፡ ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም ንከተማታት ዝኣተዉ እንተደኣ ኣጉዲልናዮም፡ እቲ …
Read More »